21 ነፍሲ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ፥ ነፍሲ እንስሳ ኸዓ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ ዝፈልጥ መን እዩ?
ሰብ ግና ይመውትሞ ይጋደም፤ ሰብውን ነፍሱ ይህብ ንሱኸ ኣበይ ኣሎ?”
ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፥ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ፥ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ተመሊሰ ኽመፅእ እየ፤ ናባይውን ክወስደኩም እየ።
እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና።
ካብዝ ሰብነት እዙይ ተፈሊና፥ ምስ ጐይታ ኽንነብር ይሕሸና ኢልና፥ ብትብዓት ንዛረብ።
ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰሚዕኹምዎ፥ ተጠንቂቕኩም ከዓ እንተ ሓሊኹምዎ፥ ካብዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ዅሉ ነገር፥ ንየማን ወይ ንፀጋም እንተዘየግሊስኩም፥ ክትሰግዱሎምን ከተምልኹዎምን ኢልኩም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ዘይሰዓብኩም፥ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር ጭራ ኣይገብረኩምን፤ ኵልሻዕ ላዕለዎት እምበር ታሕተዎት ከቶ ኣይትኾኑን ኢኹም።
በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ።