13 እምበኣር ኵሉ ሰብ ኽበልዕን ክሰትን፥ ብዅሉ ፍረ ፃዕሩ ኽሕጐስን እዙይውን ውህብቶ እግዚኣብሄር እዩ።
ፍረ ፃማኻ ኽትምገብ ኢኻ፤ ምስጉን ኢኻ፤ ሰናይውን ክኾነልካ እዩ።
ንህይወት ዝፈቱ፥ ሰናይ መዓልቲታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን እዩ?
ንሰብ ካብ ዝብላዕን ካብ ዝስተን ካብቲ ብፃዕሩ ምሕጓስን ዝሓሸ ኻልእ ነገር የብሉን፤ እዙይውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝወሃብ ረአኹ።
ኣነ ብልበይ፥ ደቂ ሰብ ብዘመን ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክገብርዋ እትግባእ ሰናይ ነገር እንታይ ከም ዝኾነት ክሳዕ ዝርኢ፥ ልበይ ብጥበብ እናመርሐኒ፥ ንሰብነተይ ብወይኒ ኸሐጕሶ ንዕሽነትውን ንምሓዝ ብልበይ መርመርኩ።
እግዚኣብሄር ንሰብ ሃብትን ጥሪትን ክብርን ሃቦ፤ ካብቲ ዅሉ ዝደልዮ ንነፍሱ ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎን፤ ግና ኻልእ ሰብ ይበልዖ እምበር ካብኡ ኽበልዕ እግዚኣብሄር ስልጣን ኣይሃቦን። እዙይ ከዓ ኸንቱን ዝኸፍአ ጕድኣትን እዩ።
ንሰብስ ካብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ዝበልፅ የብሉን እዩ እሞ፥ ኣነ ንታሕጓስ ኣመስገንኩ። ስለዙይ በተን እግዚኣብሄር ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃቦ መዓልቲታት ህይወቱ እናፀዓረ ኽሕጐስ ይግብኦ።
ኣምላኽ ግብርኻ ተቐቢልዎ ስለ ዝኾነ፥ ኪድ እንጀራኻ ደስ ኢሉካ ብላዕ፤ ወይንኻውን ብሕጕስ ልቢ ስተ።
ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፤ በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ተግባር ኣእዳውኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሓጐሱ።
በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንኣኻትኩምን ንቤትኩምን ዝሃበኩም ኵሉ ፅቡቕ ነገር፥ ንስኻትኩምን እቲ ሌዋዊን ኣብ ማእኸልኩም ዝነብር ስደተኛን ከዓ ብሓደ ዄንኩም ተሓጐሱ።