11 ንዅሉ ብእዋኑ ፅቡቕ ገይሩ ሰርሖ። እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ፥ ሰብ መርሚሩ ኸይረኽቦ ዘለኣለማዊነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣሕደረ።
እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።
“ንዕሙቕ ነገራት እግዚኣብሄር ክትምርምሮዶ ትኽእል ኢኻ? ንምልኣት እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥ ክትምርምሮዶ ትኽእል ኢኻ?
ነቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ክንረኽቦ ኣይንኽእልን፤ ንሱ ብሓይሊ ብፍርዲ ብፍትሒ ዓብዪ እዩ፤ ንሓደኳ ኣይጭቁንን።
ንሱ ዘይምርመር ዓብዪ ነገርን፥ ዘይቝፀር ተኣምራትን ይገብር።
ኦ ጐይታ፥ ግብርካ የመና ዓብዪ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ብጥበብ ገበርካዮ፤ ምድሪ ኸዓ ብፍጡራትካ መልአት።
እግዚኣብሄር ንዅሉ ንባዕሉ ፈጠሮ፤ ንሓጥኣን ድማ ንመዓልቲ ኽፍኣት ኣዳለዎም።
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝግበር ኵሉ ብጥበብ ክምርምርን ከፅንዕን ልበይ ኣትጋህኹ። እዙይ ከዓ ደቂ ሰብ ክደኽሙሉ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ከንቱ ፃዕሪ እዩ።
ከምቲ መንገዲ ንፋስ ዘይትፍለጥ፥ ከምቲ ኣዕፅምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ከም ዝውጠን ዘይፍለጥ፥ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣይትፈልጦን ኢኻ።
ንግብሪ እግዚኣብሄር ኣስተውዕል፤ ነቲ ንሱ ዘጕበጦ መን ከቕንዖ ይኽእል?
ነዝ ዅሉ ብጥበብ፥ መርመርኩዎ፤ “ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ” በልኩ፤ ጥበብ ግና ኻባይ ረሓቐት።
እግዚኣብሄር ንሰባት ቅኑዓት ገይሩ ኸም ዝፈጠረ፥ ነዙይ ጥራሕ ረኸብኩ፤ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።
ሰብ ክምርምሮ ኢሉ እንተ ፀዓረ፥ ኣይረኽቦን እዩ እሞ፥ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግብሪ ክፈልጦ ኸም ዘይኽእል፥ ነዝ ግብሪ እግዚኣብሄር እዙይ ረአኹ። ጥበበኛውን ዝፈልጦ እንተ መሰሎ፥ ክረኽቦ ኣይኽእልን እዩ።
ካብ ኣቦይ ኵሉ ተውሂቡኒ ኣሎ። ብዘይ ኣብ፥ ንወልድ ዝፈልጦ ሓደ እኳ የለን፤ ንኣብውን፥ ብዘይ ወልድን እቲ ወልድ ኽገልፀሉ ዝደለየን እንተ ዘይኮይኑ፥ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የለን።
እቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ኸዓ፥ ነቲ ቓል ዝሰምዖ እዩ። ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ሓሳብን ምትላል ሃብትን ድማ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ እንተይፈረየውን ይተርፍ።
ንሳቶም ከዓ “ኵሉ ዝገበሮ ሰናይ እዩ፤ ንፀማማት ክሰምዑ፥ ንበሃማት ክዛረቡ ይገብሮም” እናበሉ የመና ይግረሙ ነበሩ።
ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ ዘይደለዩ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ነውሪ ኽፍፅሙ፥ ንዘየስተውዕል ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም።
ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።
“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።