10 እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኽፅዕሩ ዝሃቦም ስራሕ ረአኹ።
ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።
ከምቲ መንገዲ ንፋስ ዘይትፍለጥ፥ ከምቲ ኣዕፅምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ከም ዝውጠን ዘይፍለጥ፥ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣይትፈልጦን ኢኻ።
እግዚኣብሄር ነቲ ዘሐጕሶ ሰብ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፤ ንሓጥእ ግና ነቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ሰብ ምእንቲ ኽህቦስ፥ ክእክብን ክድልብን ከም ዝፅዕር ይገብሮ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ኣሕዋተይ፥ ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኢልና፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ወንጌል ከም ዝሰበኽናልኩም፥ ድኻምናን ፃዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም።
ካባኻትኩም ንሓደኳ ኸይነኽብደሉ ኽንብል፥ ለይትን መዓልትን እናሰራሕና፥ ንፅዕርን ንደክምን ነበርና እምበር፥ ካብ ሓደኳ ብኸምኡ እንጀራ ኣይበላዕናን።