9 በዝ ኸምዙይ ከዓ ሕልፊ ዅሎም እቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዝዓበኹ ኾንኩ፤ ጥበበይውን ምሳይ ፀንዐት።
በዝ ኸምዙይ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዝዓበየ ነበረ።
መፂአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝሪኦ ግና ነቲ ዘረባ ኣይኣምኖን ነበርኩ፤ እንተ ኾነ ፍርቂ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ብወረ ዝሰማዕኽዎ ዝበዝሕ ጥበብን ሃብትን ኣለካ።
እንሆ፥ ኣነውን ከምቲ ቓልካ ገይረልካ ኣለኹ፤ ብልህን ዘስተውዕል ልብን ሂበካ ኣለኹ። እዝ ውህብቶ እዙይ ቅድሜኻ ንዝነበረ ኣይሃብኩን፤ ብድሕሬኻውን ከማኻ ዝበለ ኣይህሉን እዩ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ልዕል ኣበሎን ኣግነኖን። ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም ግርማ መንግስቲ፥ ንንጉስ ሰሎሞን ሃቦ።
ሰሎሞን ወዲ ዳዊት መንግስቱ ኣፅኒዑ ሓዘ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረውን የመና ኣዕበዮ።
ኣነ ብልበይ “እንሆ፥ ሕልፊ እቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ጥበብ ኣብዚሐ ወሰኽኩ። ልበይውን ብዙሕ ጥበብን ፍልጠትን ተመልከተ” ኢለ ሓሰብኩ።
ጥሪት እንተ በዝሐ፥ በላዕቱ ይበዝሑ፤ ንዘጥረዮ ደኣ፥ በዒንቱ ምርኣይ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይጠቕሞ?