Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 2:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ብሩርን ወርቅን ዝኸበረ ናይ ነገስታትን ኣውራጃታትን መዛግብ ኣከብኩ። ዝደርፉለይ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩኒ፤ ንሰብ ደስ ከብላኦ ዝኽእላ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኣከብኩ።

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 2:8
21 Referencias Cruzadas  

ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ፤ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ክፈሊ ኣይክእልን እየ፤ ጣዕሚ ዝበልዖ ኾነ ዝሰትዮ ኣይፈልጥን እየ፤ ድምፂ ዝደርፉን ዝደርፋን ኣይሰምዕን እየ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ኣገልጋሊኻ ንጐይታይ ንጉስ ሸኽሚ ዝኾነካ?


ንሳ ድማ ንንጉስ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቅን የመና ብዙሕ ቀመማትን ክቡር ዕንቊን ሃበቶ፤ ብድሕሪኡ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ብዝሒ ቐመማት ከቶ ኣይመፀን።


ብዘይ እቲ ግብሪ ዘገብሩ ሰባትን ነጋዶን ነገስታት ዓረብን ኵሎም ሹመኛታት ምድርን ካብ ዘምፅእዎ፥ ካልእ በብዓመቱ ንሰሎሞን ዝመፀሉ ወርቂ፥ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ኪሎ ግራም ዝምዘን ነበረ።


ኣቑሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን ብወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ኵሉ ኣብቲ ዱር ሊባኖስ ዝበሃል ኣዳራሽ ዝነበረ ኣቑሑ ኸዓ፥ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ነበረ፤ ብዘመን ሰሎሞን ብሩር ፈፂሙ ኣይቝፀርን ነበረሞ፥ ብብሩር ዝተገብረ ኣቕሓ ኣይነበረን።


ሸውዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱውን ንልቡ ኣዘንበላኦ።


ንጉስ ሮብዓም ድማ ኽንድኡ ዋልታታት ነሃስ ገበረ፤ ኣብ ኢድ ኣሕሉቕ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዝሕልዉ ተኸተልቲ ኸዓ ኣማዕቘቦም።


ኪራም ድማ ንንጉስ ሰሎሞን ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ሰደደሉ።


ናብ ኦፊር ከይዶም ከዓ ኻብኣ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ኪሎ ግራም ወርቂ ወሰዱ፤ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምፅእዎ።


ዳዊት ድማ ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮይኑ፥ ንደቂ ኣሳፍን ንደቂ ኤማንን ንደቂ ኤዶታምን ነገልግሎት፥ ብበገናን ብመሰንቆን ብፀናፅልን ትንቢት ክናገሩ ፈለዮም። ቍፅሪ እቶም ከከም ኣገልግሎቶም ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ከዓ እዙይ እዩ፦


እዚኣቶም ኵሎም ከምቲ ንጉስ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብዅሉ ፀናፅልን መሰንቆን በገናን፥ ንእግዚኣብሄር ዘገልግሉ ዝነበሩ እዮም። ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ኣቦታቶም ከዓ ይመርሕዎም ነበሩ።


ንጉስ ድማ ኻብቲ ዕንፀይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዝኸውን መደያይቦ፥ ንመዘምራን ዝኸውን ከዓ በገናታትን መሰንቆታትን ገበረ። ከምኡ ዝበለ ኸዓ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ቕድሚኡ ተርእዩ ኣይፈልጥን።


ብዘይ ሓሻኽሮምን ኣግራዶምን፥ ሸውዓተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ነበሩ። ዝዝምሩን ዝዝምራን ድማ ኽልተ ሚእቲ ነበርዎም።


“እቲ ሰባኺ ኸንቱ ኸንቱ፥ ናይ ከንቱ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል።


ሕዚ እውን ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ክትሰምዑ እንተለኹም፥ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ እንተ ሰገድኩም ሰናይ እዩ። እንተ ዘይሰጊድኩምሉ ግና፥ ሽዑ ንሽዑ ናብቲ ሃልሃል ዝብል እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። እቲ ኻብ ኢደይ ዘድሕነኩም ኣምላኽከ መን እዩ?” በሎም።


ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ነጋሪትን ኵሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰማዕኹም፥ ሽዑ ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢልኩም ስገዱሉ።


ስለዙይ ነቲ ድምፂ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ብዅሉ መሳርሒ ሙዚቃን ደርፍን ምስ ሰምዑ፥ ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡን ነቲ ንጉስ ናቡከደነፆር ዘቖሞ ምስሊ ወርቂ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።


ብበገና እትደርፉ ኸም ዳዊት መሳርሒ ሙዚቃ እተዳልዉ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos