7 ኣወዳትን ኣጓላትን ባሮት ዓደግኩ፤ ኣብ ቤተይ ዝተወለዱ ባሮትውን ነበሩኒ፤ ካብ ናይቶም ቅድመይ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ዅሎም ዝበዝሓ ኸብትን ጠለ በጊዕን ድማ ነበራኒ።
ኣብራም ከዓ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን የመና ሃብታም ነበረ።
ኣብራም ድማ ሓዉ ኸም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ፥ ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተ ሸሞንተን ኣብ ገዛኡ ዝተወለዱ፥ ፍቱናት ሰባት ኣዕጢቑ፥ ክሳዕ ዳን ደድሕሪኣቶም ሰዓበ።
ኣብራም ኣስዒቡ “ውሉድ ኣይሃብካንን፤ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ ዝተወለደ ኽወርሰኒ እዩ” በለ።
ዓሰርተ ስቡሓት ኣብዑር፥ ዕስራ ኣብዑር ካብ መጓሰዪ፥ ሚእቲ ኣባጊዕ ነበረ። እዙይ ድማ ብዘይ ዋልያታትን ሰስሓታትን ዓጋዜንን ስቡሓት ኣዕዋፍን እዩ።
ሞሳ ንጉስ ሞኣብ በዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ጡበታትን ፀጕሪ ሚእቲ ሽሕ ማጓሉን ይግብረሉ ነበረ።
ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ብዙሓት ከፍቲ ስለ ዝነበራኦ ድማ፥ ኣብ ምድረ በዳውን ግንብታት ሰርሐ። ብዙሕ ጐዳጕዲ ማይ ከዓ ዀዓተ። ፈታዊ ማሕረስ ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ደጕዓን ኣብቲ ፍርያም ገራሁን፥ ሓረስቶትን ሰራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ።
ደቂ ገላዉ ሰሎሞን፥ ደቂ ሶጣይ፥ ደቂ ሶፌሬት፥ ደቂ ፍሩዳ፥
እዚኣቶም ኵላቶም ናታኒምን ደቂ ኣገልገልቲ ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።
ደቂ ሓሻኽር ሰሎሞን፥ ደቂ ሶጣይ፥ ደቂ ሶፌሬት፥ ደቂ ፍሩዳ፥
ጥሪቱ ድማ ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሰለስተ ሽሕ ኣግማል፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ፅምዲ ኣብዑር፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ወላዳት ኣእዱግ ነበረ፤ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዝ ሰብ እዙይ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝበለፀ ዓብዪ ነበረ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ ቐዳማይ ሃብቱ ነቲ ዳሕረዋይ ኣብሊፁ ባረኸሉ። ንሱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ኣግማል፥ ሽሕ ፅምዲ ብዕራይ፥ ሽሕ ኣንስትዮ ኣእዱግ ነበርዎ።
እቲ ኣገልጋሊ ብልቡ ‘ምምፃእ ጐይታይ ገና ኽድንጕ እዩ’ ኢሉ፥ ነቶም ሓሻኽርን ኣግራድን ክገርፍ፥ ክበልዕ፥ ክሰትን ክሰክርን እንተ ጀመረ ግና፥