3 ኣነ ብልበይ፥ ደቂ ሰብ ብዘመን ህይወቶም ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ክገብርዋ እትግባእ ሰናይ ነገር እንታይ ከም ዝኾነት ክሳዕ ዝርኢ፥ ልበይ ብጥበብ እናመርሐኒ፥ ንሰብነተይ ብወይኒ ኸሐጕሶ ንዕሽነትውን ንምሓዝ ብልበይ መርመርኩ።
ያእቆብ ድማ “እተን ብስደት ዘሕለፍክወን ሚእትን ሰላሳን ዓመት እየን። ንሳተን ውሑዳትን መረርትን ነበራ። ክንዲ እተን ኣቦታተይ ብስደት ዘሕለፍወን ዘመናት ኣይኾናን እየን” በሎ።
ብሓቂ ሰብ ምስ ሞተ፥ ተመሊሱዶ ህያው ይኸውን እዩ? ዘመን ምሕዳሰይ ክሳዕ ዘመፅእ፥ ኵሉ ዘመን ሰልፈይ ብትዕግስቲ ምተፀበኹ ነይረ።
ወይኒ ንልቢ ሰብ የሐጕስ፤ ዘይቲውን ንገፅ የብርህ፤ እኽሊውን ንብርኪ ሰብ የጠንክር።
ወይኒ መላገፂ፥ ብርቱዕ መስተውን ተበኣሲ ይገብር፤ በዚኣተን ዝሰሓተ ጥበበኛ ኣይኸውንን።
ንጥበብ ክፈልጣ፥ ንዕብዳንን ንዕሽነትን፥ ከስተብህለን ኢለ ልበይ ወፈኹ። እዙይውን ንንፋስ ከም ምኽታል ምዃኑ ኣስተውዓልኩ።
ድግስ ንሰሓቕ፥ ወይኒ ኸዓ ንህይወት ደስ የብል፤ ግና ዅሉ ብገንዘብ እዩ ዝዕደግ።
መወዳእታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፤ እዙይ ናይ ሰብ ኵለንትናኡ እዩሞ፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንትእዛዛቱውን ሓሉ።
ንሰብ ካብ ዝብላዕን ካብ ዝስተን ካብቲ ብፃዕሩ ምሕጓስን ዝሓሸ ኻልእ ነገር የብሉን፤ እዙይውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝወሃብ ረአኹ።
ኣነ ዘስተብሃልክዎ ሰናይን ግቡእን ነገር፦ ሰብ በቲ እግዚኣብሄር ዝሃቦ ሓፂር መዋእል ህይወቱ ኽበልዕን ክሰትን፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓረሉ ፍረ ፃማኡ ደስ ክብሎን እዩ፤ እዝ ዕድል እዙይ ከዓ ግደኡ እዩ።
ኣብዝ ሓፂር፥ ከንቱ፥ ከም ፅላሎት ዝሓልፍ ህይወት ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝሐሸ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ መን እዩ? ወይ ከዓ ንሰብ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንታይ ከም ዝኸውን መን ክነግሮ ይኽእል?
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝፈርሕ ካብዝ ዅሉ ይወፅእ እዩ እሞ፥ ነዙይ እንተ ሒዝካ ኻብዙይውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ።
ኣነ ግና ንጥበብን ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታን መርሚረ ኽፈልጥ፥ ሓጢኣት ዕሽነት፥ ዕሽነትውን ዕብዳን ከመይ ከም ዝኾነ ኽርዳእ ልበይ ኣቕለብኩ።
ንሰብስ ካብ ምብላዕን ምስታይን ምሕጓስን ዝበልፅ የብሉን እዩ እሞ፥ ኣነ ንታሕጓስ ኣመስገንኩ። ስለዙይ በተን እግዚኣብሄር ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝሃቦ መዓልቲታት ህይወቱ እናፀዓረ ኽሕጐስ ይግብኦ።
“ሓደ ኣገልጋሊ ንኽልተ ጐይቶት ከገልግል ኣይኽእልን፤ ነቲ ሓደ ኽፀልእ፥ ነቲ ሓደ ኸፍቅር እዩ፤ ወይ ከዓ ነቲ ሓደ ከኽብር ነቲ ሓደ ኽንዕቕ እዩ። እምበኣር ንእግዚኣብሄርን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ።
“እቲ ወይኒ ኸዓ ‘ኣብ ልዕሌኹም ክነግስ ክብልስ፥ እቲ ንእግዚኣብሄርን ንሰባትን ዘሕጕስ ወይነይ ምሃብዶ ኽሓድግ እየ?’ በሎም።
ኣቢግያ ድማ ናብ ናባል ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ንንጉስ ዝበቅዕ ምሳሕ ኣብ ገዛኡ ነበሮ። ናባል ብመስተ ተሓጒሱ የመና ሰኺሩ ነበረ። ስለዙይ ክሳዕ ንፅባሒቱ ምንም ኣይተዛረበቶን።