25 ብዘይ ናቱ ፍቓድ ዝበልዐ፥ ተሓጒሱውን ንምቾት ዝጠዓመ መን እዩ?
ንሰብ ካብ ዝብላዕን ካብ ዝስተን ካብቲ ብፃዕሩ ምሕጓስን ዝሓሸ ኻልእ ነገር የብሉን፤ እዙይውን ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝወሃብ ረአኹ።
እግዚኣብሄር ነቲ ዘሐጕሶ ሰብ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፤ ንሓጥእ ግና ነቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ሰብ ምእንቲ ኽህቦስ፥ ክእክብን ክድልብን ከም ዝፅዕር ይገብሮ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።