21 እንሆ፥ ብጥበብን ብፍልጠትን ብብልሓትን ዝፀዓረ ሰብ ንዘይደኸመሉ ሰብ እዩ ዘውርሶሞ፥ እዙይውን ከንቱን ዓብዪ ወፅዓን እዩ።
ንሱ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም እንተየግለሰ፥ ኣሰር ኣቦኡ ዳዊት ብምስዓብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ነገር ገበረ።
ካብ ዘመን ነቢይ ሳሙኤል ጀሚሩ፥ ኣብ እስራኤል ከምዙይ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋሲካ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ከምቲ ኢዮስያስን ካህናትን ሌዋውያንን፥ ህዝቢ ይሁዳን እስራኤልን ኢየሩሳሌምን ዘብዓልዎ ፋሲካ ኻብ ኵሎም ቀዳሞት ነገስታት ሓደ እኳ ኸምኡ ዝገበረ ኣይነበረን።
ሕዚኸ፥ ተስፋይ መን እዩ? እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን? ትዕግስተይውን ካባኻ እዩ።
ለባማት ከም ዝሞቱ፥ ከምኡውን ሰነፋትን ደናቝርን ብሓባር ከም ዝጠፍኡ፥ ገንዘባቶምውን ንኻልኦት ከም ዝሓድጉ ሪኡ እዩ።
ብልቦም፥ ገዛኣቶም ንዘለኣለም ዝነብር፥ መሕደሪኦምውን ንውሉድ ወለዶ ዝኸውን ይመስሎም፤ በብሃገሮም ስማቶም ይፅዋዕ።
ስለዙይ ምልስ ኢለ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፀዓርኩሉ ፃዕረይ ንልበይ ተስፋ ኣቝረፅኩዎ።
ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ።
ካብ ኣፅዋር ውግእ ጥበብ ትበልፅ፤ ሓደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ ነገራት የጥፍእ።
ብብዝሒ ዕንፀይቲ ዝግባ ስለ እትወዳደር፥ ብሓቂ ኽትነግስ ዲኻ? ኣቦኻኸ ፍትሕን ፅድቅን ብምስራሑ፥ ዝበልዖን ዝሰትዮንዶ ጐዲልዎ ነይሩ እዩ፤ ኵሉ ኸዓ ሰናይ ኮይኑሉ ነበረ።
ጠመተ ዓይንኻን ልብኻን ግና፥ ኣታሊልካ ጥቕሚ ምርካብ፥ ንፁህ ደም ምፍሳስ፥ ጭቈናን ግፍዕን ምፍፃም ጥራሕ እዩ።