16 በተን ዝመፃ መዓልቲታት ኵሉ ኽርሳዕ እዩሞ፥ ነቲ ጥበበኛ ኾነ ነቲ ዓሻ ናይ ዘለኣለም መዘከርታ ኣይርከብን። ኣየ! ለባም ምስ ዓሻ ኸመይ ይመውት!
ንጉስ ድማ ንኣበኔር “ኣበኔር እውንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት?
ንፋስ ኣብ ልዕሊኡ ምስ ነፈሰ ይሓልፍ እዩሞ፤ ቦታኡውን ኣይፈልጦን እዩሞ።
ለባማት ከም ዝሞቱ፥ ከምኡውን ሰነፋትን ደናቝርን ብሓባር ከም ዝጠፍኡ፥ ገንዘባቶምውን ንኻልኦት ከም ዝሓድጉ ሪኡ እዩ።
ተኣምራትካ ኣብ ፀልማት ይፍለጥ ድዩ? ፅድቅኻኸ ኣብ ምድሪ ተረሲዑ ድዩ?
ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን እቶም በቲ ዘመን እቱይ ዝተወለዱ ዅሎምን ከዓ ሞቱ።
ኣብ ግብፂ ኸዓ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተልዓለ።
ናይ ለባም ጥበብ፥ መንገዱ ምስትብሃሉ እዩ፤ ናይ ዓሻ ዕሽነት ግና፥ ጥበራ እዩ።
ነቲ ቐደም ዝነበረ ነገራት ዝዝክሮ የብሉን፤ ነቲ ኻብ ሕዚ ንደሓር ዝኾን ከዓ እቶም ደሓር ዝመፁ ኣይዝክርዎን እዮም።
ዓይኒ መስተውዓሊ ኣብ ርእሱ እዩ፤ ዓሻ ግና ኣብ ፀልማት ይመላለስ። ግና ንዅሎም ፍፃሜኦም ሓደ ኸም ዝኾነ ኣስተብሃልኩ።
ኣነውን ብልበይ “ንምንታይ የመና ጠቢብ ኮንኩ? ኸምቲ ንዓሻ ዝበፅሖ ንኣይውን ክበፅሐኒ እዩ” ኢለ ሓሰብኩ። ሽዑ ብልበይ “እዙይውን ከንቱ እዩ” በልኩ።
ካብ ዓሻ ንለባም ሕልፉ እንታይ እዩ? ኣብ ቅድሚ ህያዋን ምኽያድ ንዝፈልጥ ድኻኸ ረብሓኡ እንታይ እዩ?
ናብ ድግስ ካብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፤ ንሱ ናይ ኵሉ ሰብ ፍፃሜ እዩ እሞ፥ ኵሉ ብህይወት ዘሎ፥ ብልቡ ይግንዘቦ እዩ።
ከምኡውን ሓጥኣን ከም ዝተቐብሩን ናብ ዕረፍቲ ኸም ዝኣተዉን ረአኹ፤ ቅኑዓት ግና ኻብታ ቕድስቲ ቦታ ወፁ፥ ኣብታ ኸተማ ኸዓ ተረስዑ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
ኣብኣ ኸዓ ጥበበኛ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ተረኽበ፤ ንሱውን ነታ ኸተማ ብጥበቡ ኣድሓና፤ ግና ነዝ ድኻ ሰብኣይ እዙይ ሓደ ሰብ እኳ ኣይዘከሮን።
ህያዋን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም፤ ምዉታት ግና ሓደ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ፤ ድሕሪዙይ ከቶ ረብሓ የብሎምን።
በቲ እዋን፥ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ ንስንሳቶም ተዘራረቡ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣዳመፀ፤ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሕዎን፥ ስሙ ንዝሓስቡን፥ ኣብ ቅድሚኡ መዘከርታ መፅሓፍ ተፅሓፈ።
ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ምሟት፥ ብድሕሪኡ ኸዓ ፍርዲ ተሰሪዑሉ ዘሎ፥