Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 2:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ሽዑ ነቲ ዅሉ ኢደይ ዝሰርሐቶ ስራሐይን ነቲ ዝደኸምኩሉ ድኻመይን ተመልከትኩ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ፥ ንንፋስውን ከም ምኽታል ነበረ፤ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ረብሓ የለን።

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 2:11
13 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ዅሉ ዝፈጠሮ ረአየ፤ እንሆ ድማ የመና ፅቡቕ ነበረ። ምሸት ኮነ፤ ጊሓትውን ኮነ፤ ሻድሸይቲ መዓልቲ።


ክእለተይ እንታይ ከም ዝኾነ ዘክር፤ ብሓቂ ንወዲ ሰብ ንኸንቱ ዲኻ ፈጢርካዮ?


ሙሴ ድማ ንዅሉ ስራሕ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገይሮም ከም ዝሰርሕዎ ሪኡ ባረኾም።


ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ተግባር ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።


ንጥበብ ክፈልጣ፥ ንዕብዳንን ንዕሽነትን፥ ከስተብህለን ኢለ ልበይ ወፈኹ። እዙይውን ንንፋስ ከም ምኽታል ምዃኑ ኣስተውዓልኩ።


ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝፅዕረሉ ኵሉ ፃዕሪ ረብሓኡ እንታይ እዩ?


ንዝሰርሕ ሰብ ዓስቢ ድኻሙ እንታይ እዩ?


ገንዘብ ዝፈቱ ገንዘብ ኣይፀግብን፤ ሃብቲ ዝፈቱ ኸዓ ትርፊ ኣይፀግብን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።


እዙይውን ዘሕዝን ክፉእ ነገር እዩ፤ ከም ዝመፀ ኸምኡ ይኸይድ፤ ድኻሙ ንንፋስ ካብ ኮነ፥ ረብሓኡ እንታይ እዩ?


እንሆ ህዝብታት ስለ ሓዊ ንኽፅዕሩ፥ ኣህዛብውን ንኸንቱ ንኽደኽሙ፥ ካብ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነዶ ኣይኮነን?


“ዘለኒ ይኣኽለኒ” ንዝብል ግና፥ ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ብዙሕ ረብሓ ኣለዎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos