9 ምስ ናይዙይ ግና እቲ ሰባኺ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፥ ነቲ ህዝቢ ፍልጠት መሃረ። ኣስተንተነ፤ መርመረ፤ ደላለየ ብዙሕ ምስላታት ከዓ ሰርዐ።
እዞም ሰብካ ኽንደይ ተዓዲሎም! እዞም ኵልሻዕ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዝሰምዑ ኣገልገልትኻ ብፁኣን እዮም!
ሰለስተ ሽሕ ምስላ መሰለ፤ ሽሕን ሓሙሽተን መዝሙራት ድማ ደረሰ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፥ ከምቲ ዘተስፈዎ፥ ጥበብ ሃቦ። ኣብ መንጎ ኪራምን ሰሎሞንን ከዓ ሰላም ነበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኺዳን ተኣታተዉ።
ምስላታት ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፦
እዙይ ምስላታት ሰሎሞን እዩ፦ ለባም ወዲ ነቦኡ የሐጕስ፤ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃዪ እኖኡ እዩ።
እዚኣተን ድማ ናይ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ሰባት ዝኣኻኸብወን፥ ናይ ሰሎሞን ምስላታት እየን።
እቶም ጠቢባን፥ ከም ናይ ሰማይ ፀዳል ክበርሁ እዮም፤ እቶም ንብዙሓት ናብ ፅድቂ ዝመርሑውን፥ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ክበርሁ እዮም።