8 እቲ ሰባኺ “ናይ ከንቱ ኸንቱ፥ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል።
ግና ደቂ ሰብ ከንቱ እዮም፤ ደቂ ሰብውን ሓሰውቲ እዮም፤ ኣብ ሚዛን ይዕምፁ፤ ንሳቶም ፈፂሞም ከንቱ እዮም።
እዙይ ኣብ ኢየሩሳሌም ነጊሱ ናይ ዝነበረ ሰባኺ ወዲ ዳዊት ቃል እዩ።
ኣነ ሰባኺ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ነበርኩ።
ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ተግባር ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ንጥበብ ክፈልጣ፥ ንዕብዳንን ንዕሽነትን፥ ከስተብህለን ኢለ ልበይ ወፈኹ። እዙይውን ንንፋስ ከም ምኽታል ምዃኑ ኣስተውዓልኩ።
“እቲ ሰባኺ ኸንቱ ኸንቱ፥ ናይ ከንቱ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል።
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ስለ ዝኸበደኒ፥ ህይወት ፀላእኹ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ኣብዝ ሓፂር፥ ከንቱ፥ ከም ፅላሎት ዝሓልፍ ህይወት ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝሐሸ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ መን እዩ? ወይ ከዓ ንሰብ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንታይ ከም ዝኸውን መን ክነግሮ ይኽእል?
መንፈስ ንምትራፍ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ስልጣን ዘለዎ ሰብ የለን፤ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሞቱውን ስልጣን የብሉን። ኣብ ጊዜ ውግእ ከዓ ምስንባት የለን፤ ክፍኣት ድማ ነቲ ሰራሒኡ ኣየድሕኖን።