7 ሓመድ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ እንተይተመለሰ፥ መንፈስውን ናብቲ ወሃቢኡ እግዚኣብሄር እንተይተመለሰ፥ ብመዓልቲታት ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
ኣብርሃም ድማ መሊሱ “እንሆ፥ ኣነ ሓመድን ሓመዅሽትን እንትኸውን ምስ ጐይታይ ብምዝራበይ ደኣ ደፊረ እምበር፥
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኻብ መሬት ምድሪ፥ ንሰብ ፈጠሮ፤ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ናይ ህይወት እስትንፋስ ኡፍ በለሉ፤ ሰብ ከዓ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ኾነ።
ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።
እቲ ሓይሊ ንእስነት ዝኾነ ዓፅሙ፥ ምስኡ ኣብ ሓመድ ይድቅስ።”
ስለ ምንታይከ ኢኻ በደለይ ይቕረ ዘይትብለለይ? ሓጥያተይከ ንምንታይ ዘይትሓድገለይ? ኣነስ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ኽድቅስ እየ እሞ፥ ንግሆ ኽትደልየኒ ኢኻ፤ ግና ኣይትረኽበንን።”
ንሱ ኣፈጣጥራና ይፈልጥ እዩሞ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሕና መሬት ምዃንና ዘክር።
ንስኻ ገፅካ ምስ መለስካ ግና ይድንግፁ፤ እስትንፋሶም ተውፅእ እሞ ይሞቱ፤ ናብ መሬቶምውን ይምለሱ።
ነፍሱ ትወፅእ፤ ናብ መሬቱውን ይምለስ፤ ሽዑ ዅሉ ምኽሩ ይጠፍእ።
ነቶም ከንቱ ነገር ዝፅበዩ ዅሎም ፀላእኻ፤ ኣነ ግና ብእግዚኣብሄር ተኣመንኩ።
ንሰብ ናብ ሓሳር ኣይትመልሶን፤ “ኣቱም ደቂ ሰብ ተመለሱ” ትብል ኣለኻ።
ንዘለኣለም ኣይፃላእን፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣይቍጣዕን እየ። ከምዙይ እንተ ዘይኸውንስ መንፈስን፥ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን ተስፋ ምቐበፃ ነይረን።
ሽዑ ንጉስ ሴዴቅያስ “ከም ዘይቀትለካን፥ ናብቶም ንነፍስኻ ዝደልዩ ዘለዉ ኣሕሊፈ ኸም ዘይህበካን፥ በቲ ህይወት ዝሃበና ህያው እግዚኣብሄር እምሕለልካ ኣለኹ” ኢሉ ብምስጢር መሓለሉ።
ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም።
ስለ እስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ንሰማያት ዝዘርገሐ፥ ንምድሪ ዝመስረተ፥ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
ሽዑ ንሳቶም “ኦ ኣምላኽ! ኣምላኽ ናይ ነፍሳት ዅሉ ሰብ፥ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፤ ንዅሉ ኣኼባዶ ትቝጥዖ ኢኻ?” እናበሉ ብገምበሮም ተደፍኡ።
“ማሕበር እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ከይኾኑስ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ዝወፅእን ዝኣቱን፥ ዘውፍሮምን ዘእትዎምን፥ ንስኻ እግዚኣብሄር፥ ናይ ስጋ ዅሉ ህይወት ኣምላኽ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ማሕበር እዙይ ክመርሖ ዝኽእል ሰብ መድብ” በሎ።
ኢየሱስ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማሕፅና ኣለኹ” በለ። እዙይ ምስ በለ ነፍሱ ወፀት።
ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ እንተለዉ ኸዓ እስጢፋኖስ “ኦ ጐይታ ኢየሱስ! ንነፍሰይ ተቐበላ” ኢሉ ፀለየ።
ናብታ በቶም ኣብ ሰማያት ስሞም ዝተፅሓፈ፥ በዅሪ ዝኾኑ ዝቖመት ቤተ ክርስቲያንን፥ ናብቲ ንዅሉ ዝፈርድ እግዚኣብሄርን፥ ናብ ነፍሳት እቶም ፍፁማን ዝኾኑ ፃድቃንን፥ በፂሕኹም ኢኹም።
ኣብ ልዕሊዙይ ብስጋ ዝወለዱና ኣቦታት ዝቐፅዑና ኻብ ኮኑ፥ ንሕናውን እነኽብሮም ካብ ኮንና፥ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ፥ ከመይ ኣብሊፅና ኽንእዘዞ ዘይግበአና!