4 ናብ ኣደባባይ ዘእቱ በርታት ከዓ ዝዕፀወሉ መዓልቲ፥ ድምፂ መጥሓን ምስ ላሸወ፥ ድምፂ ኣዕዋፍ ሰሚዑ እንትለዓል፥ ድምፂ ደረፍቲ ኣዋልድ እንትልሕትት፥
ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ፤ ኣብ መንጎ ፅቡቕን ክፉእን ክፈሊ ኣይክእልን እየ፤ ጣዕሚ ዝበልዖ ኾነ ዝሰትዮ ኣይፈልጥን እየ፤ ድምፂ ዝደርፉን ዝደርፋን ኣይሰምዕን እየ፤ ደጊምከ ስለ ምንታይ ኣገልጋሊኻ ንጐይታይ ንጉስ ሸኽሚ ዝኾነካ?
ንመዓፁ ገፁ ክኸፍት ዝኽእል መን እዩ? ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ግርማ ኣሎ።
መዲድ ሓዚ እሞ፥ ሕሩጭ ጠሓኒ፤ ጕልባብኪ ቕልዒ፤ ነቲ ወለል ዝብል ዘፈር ክዳንኪ ኣክቢ፤ ደናጉኺ ቐሊዕኺ ፈለግ ተሳገሪ።
ካብኣቶም ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን፥ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ድምፂ መጥሓንን ብርሃን መብራህትን ከጥፍእ እየ።
ድምፂ ቓነይቲ መሰንቆን፥ ድምፂ ደረፍትን፥ ነፋሕቲ እምብልታን፥ ድምፂ ነፋሕቲ መለኸትን፥ ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ፤ ዝኾነ ዓይነት ኢደ ጥበብ ዝሰርሕ፥ ኵሉ ጥበበኛ፥ ኣባኺ ኸቶ ኣይርከብን እዩ፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ድምፂ መጥሓን፥ ኣባኺ ኸቶ ኣይስማዕን እዩ።