3 በታ ሓለውቲ ቤት ዝንቅጥቀጡላ፥ ብርቱዓት ሰባት ዝጐብጡላ፥ ውሑዳት ኮይኖም እዮምሞ፥ ጠሓንቲ ስራሕ ብዝፈትሓላ፥ ጠማቶውን ኣብ መሳዅቲ ዝፅልሙቱላ፥
ይስሓቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ደኺመን ምርኣይ ምስ ሰኣና፥ ንኤሳው ነቲ ዓብዪ ወዱ ፀዊዑ “ኣታ ወደይ!” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በሎ።
ኣዒንቲ ያእቆብ ከዓ ኻብ እርጋን ዝተልዓለ ፈዚዘን ነበራ እሞ፥ ኣፅርዩ ኽርኢ ኣይኽእልን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ናብ ኣቦኡ ኣቕረቦም። ያእቆብ ከዓ ሓሓቝፉ ሰዓሞም።
ብሓይሉ ጐደና መለሰሎም፤ ምውሓድ ዘመነይ ንገረኒ።
ንፈታውየይን ንሓወይን ከም ዝገብሮ ገበርኩ፤ ንኖኡ ኸም ዝበኪውን ርእሰይ ትሕት ትሕት ኣበልኩ።
እምብዛ ዓበርኩ፤ ተዋረድኩውን፤ ኵልሻዕ ብትካዘ እመላለስ ኣለኹ።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምኡውን ኣረጋውያን ሰብኡትን፥ ኣረጋውያት ኣንስትን፥ ኣብ ኣደባባያት ኢየሩሳሌም መሊሶም ክቕመጡ እዮም፤ ዕድመኣቶም ስለ ዝነውሐ ኸዓ፥ ነፍሲ ወከፎም ምርኩስ ኣብ ኣእዳዎም ክሕዙ እዮም።
እቲ ኣዒንቱ ደኺመን ክዓውር ቀሪቡ ዝነበረ ኤሊ ኣብ መደቀሲኡ ደቂሱ ነበረ።