7 ብርሃን ጥዑም እዩ፤ ኣዒንቲ ንፀሓይ ክጥምታኣ እንተለዋ ኸዓ ደስ ይብለን።
እዙይውን ንነፍሱ ኻብ ጕድጓድ ንኽመልስ፥ ብብርሃን ህያዋንውን ንኸብርህ እዩ።”
ብብርሃን ህያዋን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽመላለስ፥ ንነፍሰይ ካብ ሞት፥ ነእጋረይ ካብ ምስንኻል ኣድሒንካ ኢኻሞ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረትን ሓቅን ይፈቱ፤ እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን።
ብርሃን ዓይኒ ንልቢ የሐጉሶ፤ ፅቡቕ ወረ ምስማዕ ከዓ ነዕፅምቲ የለምልም።
ድኻን ግፍዐኛን ይራኸቡ፤ እግዚኣብሄር ነዒንቲ ኽልቲኦም ብርሃን ይህብ።
ብርሃንን ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን እንተይፀልመቱ፥ ደመናታትውን ድሕሪ ዝናም እንተይተመለሱ፥
ንፀሓይ ኣይረአያን፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይፈለጠን፤ ካብቱይ ነዙይ ዝበለፀ ዕረፍቲ ኣለዎ።
ጥበብ ምስ ርስቲ ፅብቕቲ እያ፤ ረብሓኣ ድማ ፀሓይ ንዝሪኡ ዅሎም ይጠቅም እዩ።