6 ኣየንኡ ኸም ዝበቍል፥ ሓዲኡ ወይ ክልቲኡ እንተ ፀበቐ ኣይትፈልጥን ኢኻሞ፥ ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፤ ምሸትውን ኢድካ ኣይትኸልክል።
ብርሃን ጥዑም እዩ፤ ኣዒንቲ ንፀሓይ ክጥምታኣ እንተለዋ ኸዓ ደስ ይብለን።
ብዛዕባ እዙይ ኣፀቢቐ ሓሰብኩ። ፃድቃንን ጥበበኛታትን፥ ኵሉ ዝሰርሕዎን፥ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝኾነ፥ ነዝ ዅሉ ኽምርምር ብልበይ ሓሰብኩ፤ ፍቕሪ ወይ ፅልኢ ይኹን ሰብ ኣይፈልጥን፤ ኵሉ ኣብ ቅድሚኣቶም እዩ።
ኣብቲ እትኸዶ መቓብር፥ ስራሕን ትልምን ፍልጠትን ጥበብን የለን እሞ፥ ነቲ እትገብሮ ዅሉ ብዘለካ ሓይሊ ፈፅሞ።
“ዝናምን በረድን ካብ ሰማይ ከም ዝወርድ፥ እሞ ንምድሪ እውን ከም ዘርውያ፥ ከም ተብቍልን ከም እተፍርን ገይሩ፥ ዘርኢ ንዘራኢ፥ እንጀራ ንተመጋቢ፥ ከም እትህብ እንተይገበረ፥ ናብ ሰማይ ከም ዘይምለስ፥
እግዚኣብሄር መፂኡ፥ “ፅድቂ ኽሳዕ ዘዝንመልኩም፥ ንኡኡ እትደልዩሉ ጊዜ እዩ እሞ፥ ንኣኻትኩም ብፅድቂ ዝርኡ፤ ከም መጠን ምሕረቱ ድማ ዕፀዱ፤ ሓድሽ ፅግኢውን ሕረሱ” በልኩ።
እቲ ብውሑድ ዝዘርእ፥ ብውሑድ ከም ዝዓፅድ፥ እቲ ብብዙሕ ዝዘርእ ድማ፥ ብብዙሕ እዩ ዝዓፅድ።
ነቲ ቓል ስበኽ፤ ብምችዊ እዋንን ኣብ ዘይምችዊ እዋንን፥ ድልዊ ኹን፤ ኣረድእ፤ ምኸር፤ ገስፅ፤ ብዓብዪ ትዕግስቲ፥ ብምምሃር ትጋህ።