5 ከምቲ መንገዲ ንፋስ ዘይትፍለጥ፥ ከምቲ ኣዕፅምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ከም ዝውጠን ዘይፍለጥ፥ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣይትፈልጦን ኢኻ።
ነቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ክንረኽቦ ኣይንኽእልን፤ ንሱ ብሓይሊ ብፍርዲ ብፍትሒ ዓብዪ እዩ፤ ንሓደኳ ኣይጭቁንን።
ኣነ ንምድሪ ኽስርታ እንተለኹ፥ ንስኻ ኣበይ ኔርካ? ተስተውዕል እንተ ዄንኻ እስኪ ንገረኒ።
ንሱ ዘይምርመር ዓብዪ ነገርን፥ ዘይቝፀር ተኣምራትን ይገብር።
ኦ ጐይታ፥ ግብርካ የመና ዓብዪ እዩ፤ ንዅሉ ድማ ብጥበብ ገበርካዮ፤ ምድሪ ኸዓ ብፍጡራትካ መልአት።
ኦ ኣምላኸይ፥ ዝገበርካዮ ተኣምራት ብዙሕ እዩ፤ ንሓሳብካውን ዝመስሎ የለን፤ እንተውረኹን እንተ ተናገርኩን ምቝፃሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ግብርኻ ኸመይ የመና ዓብዪ እዩ! ሓሳብካውን የመና ዓሚቝ እዩ!
ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝግበር ኵሉ ብጥበብ ክምርምርን ከፅንዕን ልበይ ኣትጋህኹ። እዙይ ከዓ ደቂ ሰብ ክደኽሙሉ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ከንቱ ፃዕሪ እዩ።
ንፋስ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ይነፍስ፤ ዘይሩ ኸዓ ንሰሜን ኣቢሉ ይነፍስ። ዘይሩ ዘይሩ ኸዓ መሊሱ ኽጅምር ናብ ቦታኡ ይምለስ።
ንፋስ ዝፅበ ሰብ ኣይዘርእን፤ ንደመና ዝምልከትውን ኣይዓፅድን።
እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኽፅዕሩ ዝሃቦም ስራሕ ረአኹ።
ንዅሉ ብእዋኑ ፅቡቕ ገይሩ ሰርሖ። እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ፥ ሰብ መርሚሩ ኸይረኽቦ ዘለኣለማዊነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣሕደረ።
ንሳ እታ ርሕቕትን የመና ዓማቝን እያ፤ መንከ መርሚሩ ኽበፅሓ ይኽእል?
ሰብ ክምርምሮ ኢሉ እንተ ፀዓረ፥ ኣይረኽቦን እዩ እሞ፥ ሰብ ነቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግብሪ ክፈልጦ ኸም ዘይኽእል፥ ነዝ ግብሪ እግዚኣብሄር እዙይ ረአኹ። ጥበበኛውን ዝፈልጦ እንተ መሰሎ፥ ክረኽቦ ኣይኽእልን እዩ።
ኣይፈለጥካን ዲኻ፥ ኣይሰማዕኻን ዲኻ? እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፥ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ እዩ፤ ኣይደክምን፤ ኣይሕለልን፤ ምስትውዓሉውን ኣይምርመርን እዩ።
ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፤ ድምፁ ኸዓ ትሰምዕ፤ ካበይ ከም ዝመፅእ፥ ናበይውን ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ ኵሉ እቲ ኻብ መንፈስ [ቅዱስ] ዝውለድ ድማ ኸምኡ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
ናይ እግዚኣብሄር ሃብቱን ጥበቡን ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቝ እዩ! ንፍርዱ ኽምርምሮ ዝኽእል የለን፤ ንመንገዱውን ክረኽቦ ዝኽእል የለን።