3 ደመና ዝናም እንተ መልአ ናብ ምድሪ የፍስሶ፤ ኦም ናብ ደቡብ ወይ ናብ ሰሜን ኣቢሉ እንተ ወደቐ፥ ኣብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ይነብር።
ሽዑ ንሽዑ እቲ ሰማይ ብደመናን ብመሸምቦባን ፀልመተ፤ ብርቱዕ ዝናም ከዓ ኾነ። ኣክኣብ ድማ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ናብ ኢይዝራኤል ከደ።
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝመፅእ መከራ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ንገንዘብካ ኣብ ሸውዓተ ወይ ኣብ ሸሞንተ ቦታ መቓቒልካ ኣቐምጥ።
ንፋስ ዝፅበ ሰብ ኣይዘርእን፤ ንደመና ዝምልከትውን ኣይዓፅድን።
እንሆ ሕዚ ማሕፀ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተቐሪቡ ኣሎ። እምበኣር ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።
ነቲ ሓላዊ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸዓ፥ ‘እንሆ፥ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ ደልየ፥ ሰለስተ ዓመት ተመላሊሰ ኣይረኸብኩላን። እምበኣር ቍረፃ፤ ንምንታይከ መሬት እተፅርዕ?’ በሎ።
ግና ዝኾነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ፥ ሓዉ ተሸጊሩ እንተሎ እናረአዮ እንተ ዘይራህርሀሉ፥ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኽነብር ይኽእል?