2 ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝመፅእ መከራ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ንገንዘብካ ኣብ ሸውዓተ ወይ ኣብ ሸሞንተ ቦታ መቓቒልካ ኣቐምጥ።
ነህምያ ኸዓ “ኪዱሞ ዝሰብሐ ብልዑ፤ ጥዑምውን ስተዩ፤ ነቶም ዝተዳለወ ዘይብሎም ድማ ኻብ ዘለኩም ከፊልኩም ስደዱሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና ዝተቐደሰት እያ። ናይ እግዚኣብሄር ሓጐስ ሓይልኹም እዩ እሞ፥ ኣይትሕዘኑ” በሎም።
ስለዙይ ከዓ እዮም እቶም ኣብ ገጠራትን ኣብ ዘይተዓረዳ ኸተማታትን ዝነብሩ ኣይሁድ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ወርሒ ኣዳር ናይ ዓብዪ ሓጐስን ድግስን በዓል ዘብዕሉ፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶ ዝወሃሃቡ።
እዘን መዓልቲታት እዚኣተን ኣይሁድ ካብ ፀላእቶም ዝዓረፉለን መዓልቲታት እየን። እዝ ወርሒ እዙይ ከዓ፥ ካብ ሓዘን ናብ ሓጐስ፥ ካብ ብኽያት ናብ ፅቡቕ ዝተለወጠሉ ዕለት እዩ። ነዘን መዓልቲታት እዚኣተን መዓልቲታት ድግስን ሓጐስን ክገብርወን፥ ንስንሳቶም ድማ ውህብቶታት ክወሃሃቡ፥ ንድኻታት ድማ ምፅዋት ክምፅውቱ ኣዘዞም።
ካብ ሽዱሽተ ኽፉእ ነገር ከድሕነካ እዩ፤ ኣብ መበል ሻውዓይ ግና ኽፉእ ኣይነኽአካን እዩ።
በተነ ንድኻታትውን ሃበ፤ ፅድቁውን ንዘለኣለም ይነብር፤ ቀርኑውን ብኽብሪ ልዕል ልዕል ክብል እዩ።
እቲ ንድኻ ዝህብ፥ ንእግዚኣብሄር የለቅሕ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ በቲ ሰናይ ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
እግዚኣብሄር ዝፀልአን፥ ሽዱሽተ ነገራት እየን፤ ነታ ሻውዐይቲ ግና ነፍሱ ኣጥቢቓ ትፅየፋ፤
ደመና ዝናም እንተ መልአ ናብ ምድሪ የፍስሶ፤ ኦም ናብ ደቡብ ወይ ናብ ሰሜን ኣቢሉ እንተ ወደቐ፥ ኣብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ይነብር።
ሰብ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ነበረ ብዅላተን ይተሓጐስ፤ ይኹን እምበር ዘመን ፀልማት ከም ዝበዝሕ ይዘክር። ኵሉ እቲ ዝመፅእ ነገር ከንቱ እዩ።
ክፉኣት መዓልቲታት እንተይመፃ “ደስ ኣየብሉን” እትብለሉ ዓመታት ከዓ እንተይቀረበ፥ ብመዋእል ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።
ንሱ ንሰላም ክኸውን እዩ። ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ ኣተወ ምድርናውን ምስ ረገፀ፥ ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ ኣሕሉቕን ክነተስአሉ ኢና።
ኢየሱስ ድማ “ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር፥ ክሳዕ ሸውዓተ ኣይብለካን።”
ንዝለመነካ ሃቦ፤ ካባኻ ኽልቃሕ ንዝደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ።
ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ እንተ በደለካ፥ ተናሲሐ እናበለውን፥ ኣብ መዓልቲ ሸውዓተ ሻዕ ናባኻ እንተ ተመለሰ፥ ይቕረ በለሉ።”
ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ሓደ ሰብ ኣብ ሓጢኣት እንተ ተረኽበ፥ መንፈሳውያን ዝኾንኩም ንስኻትኩም፥ ነዝ ኸምዙይ ዝበለ ሰብ፥ ብለውሃት መንፈስ ምለስዎ። ንስኻውን ከምኡ ኸይትፍተን፥ ንባዕልኻ ተጠንቀቕ።
ንእሱራት፥ ምስኣቶም ከም ዝተኣሰርኩም ኴንኩም፥ መከራ ንዝተቐበሉውን፥ ከምኣቶም መከራ ኸም እትቕበሉ ዘለኹም ኴንኩም ዘክርዎም።
ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ ንኣገልገልትኻ ጠይቆም፤ ንሳቶም ከዓ ኽነግሩኻ እዮም። እምበኣር ብመዓልቲ በዓል መፂእና ኣለና እሞ፥ እዞም ኣጓብዝ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ይርከቡ። በይዛኻ ኣብ ኢድካ ዝተረኽበ ንኣገልጋሊኻን ንወድኻ ዳዊትን ሃቦም።”