10 ንእስነትን ጕብዝናን ቀልጢፉ ይሓልፍ እዩ እሞ፥ ጓሂ ኻብ ልብኻ፥ ሕሰም ካብ ሰብነትካ ኣርሕቕ።
ግናኸ ዓሻ ሰብ ምስትውዓል ካብ ዝመሃር፥ ዒሉ ኣድጊ በረኻ፥ ሰብ ኮይኑ ኽውለድ ይቐልል።
“ዝመረረ ነገር ፅሒፍካለይ ኢኻሞ፥ ሓጢኣት ንእስነተይውን ተውርሰኒ ኣለኻ።
እቲ ሓይሊ ንእስነት ዝኾነ ዓፅሙ፥ ምስኡ ኣብ ሓመድ ይድቅስ።”
ኦ ጐይታ፥ ነቲ ብንእስነተይ ዝገበርክዎ ሓጢኣተይን በደለይን ኣይትዘክሮ፤ ስለ ብዝሒ ለውሃትካ፥ ከም ምሕረትካ ዘክረኒ።
እንሆ፥ ንዘመናተይ ኣእረግካየን፤ ኣካለይውን ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኢምንት እዩ፤ ኵሉ ህያው ዝኾነ ሰብ ብሓቂ ኸንቱ ጥራሕ እዩ።
ብኸንቱ ይህወኽ እምበር፥ ብሓቂ ሰብ ከም ፅላሎት እዩ ዝመላለስ፤ ይእክብ፥ ንመን ከም ዝእክበሉ ግና ኣይፈልጥን።
ስንፍና ኣብ ልቢ ህፃን ተኣሲሩ ኣሎ፤ በትሪ መቕፃዕቲ ግና ኻብኡ የርሕቖ።
ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ኵሉ ተግባር ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
“እቲ ሰባኺ ኸንቱ ኸንቱ፥ ናይ ከንቱ ኸንቱ እዩ፤ ኵሉ ኸንቱ እዩ” ይብል።
ክፉኣት መዓልቲታት እንተይመፃ “ደስ ኣየብሉን” እትብለሉ ዓመታት ከዓ እንተይቀረበ፥ ብመዋእል ጕብዝናኻ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
እምበኣርከስ፥ ኣቱም ፍቑራተይ፥ እዝ ዅሉ ተስፋ እዙይ ካብ ሃለወናስ፥ ካብቲ ዅሉ ስጋን መንፈስን ዘርክስ፥ ርእስና ነንፅህ። ንእግዚኣብሄር ብምፍራሕ፥ ቅድስናና ፍፁም ንግበሮ።
ካብ ክፉእ ናይ ጕብዝና ትምኒት ህደም፤ ምስቶም ብንፁህ ልቢ፥ ንእግዚኣብሄር ዝፅውዕዎ ኸዓ፥ ኣሰር ፅድቅን፥ እምነትን፥ ፍቕርን፥ ሰላምን፥ ሰዓብ።