1 እንጀራኻ ኣብ ልዕሊ ማይ ደርቢ፥ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክትረኽቦ ኢኻሞ።
ናይ ሓጥእ ሰብ ሞያ ረብሓ የብሉን፤ ፅድቂ ዝዘርእ ግና ረብሓ ኣለዎ።
እቲ ንድኻ ዝህብ፥ ንእግዚኣብሄር የለቅሕ፤ እግዚኣብሄር ከዓ፥ በቲ ሰናይ ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
ካብ እንጀራኡ ንድኻ ኣካፊሉ እዩሞ፥ ርህሩህ ዝተባረኸ ይኸውን።
ኣየንኡ ኸም ዝበቍል፥ ሓዲኡ ወይ ክልቲኡ እንተ ፀበቐ ኣይትፈልጥን ኢኻሞ፥ ዘርእኻ ንግሆ ዝራእ፤ ምሸትውን ኢድካ ኣይትኸልክል።
ንምድላይ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምጥፋእውን ጊዜ ኣለዎ። ንምእካብ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድርባይውን ጊዜ ኣለዎ።
ኣቱም ነእጋር ብዕራይን ኣድግን እናዀብኰብኩም ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማያት እትዘርኡ ብሩኻት ኢኹም።
ክቡር ሰብ ግና ኽቡር ሓሳብ ይሓስብ፤ ኣብ ክቡር ነገር ከዓ ፀኒዑ ይነብር።
ኣብ ሓምሸይቲ ዓመት ግና ፍረኡ ብልዑ፤ ስለዙይ ከዓ በዚሑ ኽፈርየልኩም እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
እቲ ገዛ እቱይ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ ሰላምኩም ይሕደሮ፤ ዘይግብኦ እንተ ኾይኑ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ።
ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ፥ ብስም ደቀ መዝሙረይ ፅዋዕ ዝሑል ማይ ዘስቲ፥ ዓስቡ ኸቶ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”
እቲ ኽልተ መክሊት ዝተቐበለ ድማ፥ ካልእ ኽልተ መክሊት ኣትረፈ።
እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት ኣሕዋተይ፥ ንሓደ ዝገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ!’ ኢሉ ይምልሰሎም።
ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁእ ክትከውን፥ ብትንሳኤ ፃድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ።
እቲ ብውሑድ ዝዘርእ፥ ብውሑድ ከም ዝዓፅድ፥ እቲ ብብዙሕ ዝዘርእ ድማ፥ ብብዙሕ እዩ ዝዓፅድ።
እግዚኣብሄር ቅኑዕ ፈራዲ ስለ ዝኾነ፥ ነቲ ምእንቲ ፍቕሩ ኢልኩም፥ ብስሙ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን፥ እተገልግልዎም ዘለኹምን፥ ስራሕኹም ዝርስዕ ኣይኮነን።