9 ኣእማን ዝፈናቕል ብእኡ ይሓምም፤ ዕንፀይቲ ዝፍልፅውን ብእኡ ይጕዳእ።
ሓፂን እንተ ጐተመ እሞ ንብልሑ ኸዓ እንተ ዘይስሒልካዮ፥ ብዙሕ ሓይሊ የድሊ፤ ጥበብ ግና ስራሕኻ የስልጠልካ።
ጕድጓድ ዝዅዕት ናብኣ ይወድቕ፤ መካበቢያ ዘፍርስ ድማ ተመን ይነድፎ።