8 ጕድጓድ ዝዅዕት ናብኣ ይወድቕ፤ መካበቢያ ዘፍርስ ድማ ተመን ይነድፎ።
ኣኪጦፌል ከም ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረአየ፥ ኣድጉ ፅዒኑ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣመሓዲሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ፤ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸዓ ተቐበረ።
ንኢዮኣብ ኣፅዋሩ ዝስከሙሉ ዓሰርተ መንእሰያት ከዓ ንኣቤሴሎም ከበብዎ፤ ወቒዖም ድማ ቐተልዎ።
ሽዑ ንሃማ ኣብቲ ንመርዶክዮስ ክሰቕለሉ ኢሉ ዘዳለዎ ጕንዲ ሰቐልዎ፤ ቍጥዓ ንጉስውን ዘሓለ።
ነእጋረይ መፃወድያ ዘርግሑ፤ ንነፍሰይውን ኣጕበጥዋ፤ ኣብ ቅድሚተይ ጕድጓድ ኰዓቱ፤ ግና ባዕልቶም ኣብኡ ወደቑ።
ነቶም ቅኑዓት ፅድቆም የናግፎም፤ ነቶም ወስላታታት ግና ኽፍኣቶም መፈንጠር ይኾኖም።
ጕድጓድ ዝዅዕት ኣብኣ ይወድቕ፤ እምኒ ዘንከባልል ድማ ናብ ባዕሉ ይግልበጦ።
ኣእማን ዝፈናቕል ብእኡ ይሓምም፤ ዕንፀይቲ ዝፍልፅውን ብእኡ ይጕዳእ።
ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጋጥሞ ሰብ፥ ከምቲ ናብ ቤቱ ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘፀግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ ሰብ እዩ።
ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፥ ደልየ ኻብኡ ኸውፅኦም እየ፤ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቕ ባሕሪ እንተ ተሓብኡውን፥ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፤ ንሱ ኸዓ ኽነኽሶም እዩ።
ናብ ገዛ ኣቦኡ ናብ ኤፍራታ መፂኡ ነቶም ደቂ ጌዴዎን ሰብዓ ኣሕዋቱ፥ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ሓረዶም። ኢዮኣታም እቲ ንእሽተይ ወዲ ጌዴዎን ግና፥ ተሓቢኡ ስለ ዝነበረ፥ ኣምለጠ።