6 ዓያሹ መዓርግ ኣብ ዘለዎ ስፍራ ተቐሚጦም፤ ሃብታማት ግና ኣብ ትሑት ቦታ ተቐመጡ።
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ንሃማ ወዲ ሃመዳቱ እቲ ኣጋጋዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታት ሸሞ፤ ኣኽበሮውን።
ሃማ ድማ መርዶክዮስ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ ብቝጥዓ ነደደ።
ኣብ ማእኸል ደቂ ሰባት ክፍኣት ልዕል ልዕል ምስ በለ፤ ዓመፅቲ ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ይመላለሱ ኣለዉ።
ንሰነፍ ሕንቃቐ ኣይግብኦን፤ ብሕልፊ እኳ ንባርያ፥ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን።
ፃድቃን እንተ ሰዓሩ፤ ዓብዪ ኽብሪ ኣሎ፤ ክፉኣት ሰባት ስልጣን እንትሕዙ ግና፥ ህዝቢ ይሕባእ።
ሓጥኣን ሰባት እንተ ተሸሙ ሰባት ይሕብኡ፤ እንተ ጠፍኡ ግና ፃድቃን ይበዝሑ።
ፃድቃን እንተ በዝሑ፥ ህዝቢ ይሕጐስ፤ ረሲኣን እንተ ሰልጠኑ ግና ህዝቢ ይበኪ።
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፍኣት ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ብገዛእቲ ዝፍፀም ጌጋ እዩ።