4 ትዕግስቲ ንዓብዪ በደል ተህድእ እያ እሞ፥ ገዛኢ እንተ ተቘጥዐካ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።
ቍጡዕ ሰብ ፅልኢ የለዓዕል፤ ትዕግስተኛ ሰብ ግና ባእሲ የህድእ።
ፈራዲ፥ ብትዕግስቲ ይልዝብ፤ ልዙብ መልሓስ ከዓ ኣዕፅምቲ ይሰብር።
ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፍኣት ኣሎ፤ ንሱ ኸዓ ብገዛእቲ ዝፍፀም ጌጋ እዩ።
ንጉስ ዝደለዮ እዩ ዝገብር እሞ፥ ካብ ቅድሚ ንጉስ ንምርሓቕ ኣይትህፀፅ፤ ኣብ ክፉእ ነገርውን ኣይትፅናዕ።