3 ዓሻ ብመንገዲ ኽመላለስ እንተሎ ምስትውዓል ይጐድሎ፤ ኩሉ ዝሓስቦውን ዕሽነት እዩ።
ብልሂ ሰብ ብምስትውዓል ይሰርሕ፤ ዓሻ ግና ዕሽነቱ ይገልፅ።
ሰነፍ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ደኣ ኽገልፅ ይፈቱ እምበር፥ ክፈልጥ ኢሉ ኣይፅዕርን እዩ።
ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይኣትዋ፤ ኣፉ ኸዓ ንበትሪ ትፅውዕ።
ብብዝሒ ስራሕ ሕልሚ ይረአ፤ ከምኡውን ድምፂ ሰነፍ ብብዝሒ ቓላት ይስማዕ።
ናብቲ ዘፀይፍ ርኽሰት፥ ምስኣቶም ስለ ዘይጐየኹም ይግረሙ፤ ንኣኻትኩም ከዓ፥ ይፀርፉኹም ኣለዉ።