16 ንጉስኪ ቘልዓ ዝኾነ፥ መሳፍንትኺ ድማ ኣንጊሆም ዝበልዑ ሃገር፥ ወይለኺ!
ሕዚ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ፀዓነኩም፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ኣርዑት ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፤ ኣነ ግና ብዕንቅርቢት ክገርፈኩም እየ’ በሎም” ኢሎም ነገርዎ።
ክፉኣትን ዘይረብሑ ሰባትን ናብኡ ተኣከቡ፤ ንሳቶም ከዓ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ። ሮብዓም ድማ ለግለግ መንእሰይ ስለ ዝነበረ ኽምክቶም ኣይከኣለን።
ሴዴቅያስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ።
ኢዮኣክስ ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ።
ኢዮኣቄም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ገዝአ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ኽፉእ ገበረ።
ኢኮንያን ክነግስ እንተሎ ወዲ ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ኽፉእ ገበረ።
ኣእምሮ ዘይብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕ፤ ግፍዒ ዝፀልእ ግና ንብዙሕ ዘመን ይነብር።
ንሰነፍ ስራሑ የድክሞ፤ ናብ ከተማ ምውፃእ ኣይፈልጥን እዩሞ።
ንህዝበይ ኣገበርቶም ይገፍዕዎም፤ ጨቆንቶም ከዓ ይገዝእዎም። ኦ ህዝበይ፥ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፤ ነታ እትኸደላ መንገዲውን የጥፍእዋ ኣለዉ።
ኣቱም ቤት ዳዊት፥ ብሰንኪ ኽፉእ ግብርኹም፥ ቍጥዓይ ከም ሓዊ ኸይእጐድ፥ ዘጥፍኦ ኽሳዕ ዝስእን ከዓ ኸይነድድስ፥ ኣንጊህኹም ፍትሒ ግበሩ፤ ነቲ ዝተዘምተውን ካብ ኢድ ዓማፂኡ ኣናግፍዎ፤ ይብል እግዚኣብሄር።