12 ጥበበኛ ሰብ ዝዛረቦ ሞገስ የውህቦ፤ ንዓሻ ግና ኸንፈሩ ይውሕጦ።
“ ‘ነቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ ኣነ ቐቲለዮ’ ኢልካ ባዕልኻ ስለ ዝመስከርካ፥ ደምካ ኣብ ርእስኻ እዩ” ድማ በሎ።
ብዘረባ ኣፈይውን መበርታዕኹኹም ነይረ፤ ምፅንናዕ ከንፈረይውን መህድአኩም ነይሩ።”
ንርእሲ እቶም ዝኸበቡኒ፥ ክፍኣት ከናፍሮም ይድፈኖም።
ኣፍ ፃድቅ፥ ጥበብ የምህር፤ ኣንደበቱውን ፍትሒ ይናገር።
ኣንደበቶም ድማ የሰናኽሎም፤ ኵሎም ዝርኢዎምውን ይድንግፁ።
ብዓይኑ ዝጠቅስ መከራ የምፅእ፤ ብሓቂ ዝግስፅ ግና ሰላም የምፅእ።
ለባም ሰብ ምኽሪ ብምስትውዓል ይቕበል፤ ብኸንፈሩ ዝሰንፍ ግና ይወድቕ።
ከም ዝዋጋእ ሰይፊ ዝልፍልፍ ሰብ ኣሎ፤ መልሓስ ጠቢባን ግና ጥዒና እዩ።
ኣንደበት ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፤ ኣንደበት ዓያሹ ግና ዕሽነት የፈልፍል።
ሰብ ብመልሲ ኣፉ ይሕጐስ፤ ኣብቲ ግቡእ ጊዜ ዝዝረብ ቃል፥ ክንደይ ፅቡቕ እዩ!
ሓሳዊ ምስክር እንተይተቐፅዐ ኣይተርፍን፤ እቲ ሓሰት ዝዛረብ ከዓ ኻብ መቕፃዕቲ ኣየምልጥን።
ንፅህና ልቢ ዝፈቱ፥ ሞገስ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፥ ንጉስ ፈታዊኡ ይኸውን።
ምስላ ኣብ ኣፍ ሰነፋት፥ ከምቲ ኣብ ኢድ ሰካር ዝኣተወ እሾዅ እዩ።
ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፤ ትምህርቲ ሕጊ ርህራሄውን ኣብ መልሓሳ እዩ።
ቃላት ጠቢባን ከም መውግኢ ብዕራይ እዩ፤ ንሱ ኸዓ ብእኩባት መምህራን ኣፀቢቑ ዝተሸንከረ ሽንካራት እዩ፤ ብሓደ ጓሳ ኸዓ ዝተውሃበ እዩ።
ዓሻ ኣእዳዉ ጠሚሩ ይቕመጥ፤ ንገዛ ስጋኡውን ይበልዕ።
ብኣፍኻ ኣይትቐልጥፍ፤ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሄርውን ንምዝራብ ኣይትሸኵል። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ፥ ንስኻ ኣብ ምድሪ ኢኻሞ፥ ቃላትካ ውሑድ ይኹን።
ንስጋኻ ብሓጢኣት ከየስሕቶ ንኣፍካ ሓርነት ኣይትሃቦ፤ ኣብ ቅድሚ መልኣኽውን ስሕተት እዩ ነይሩ ኣይትበል። ስለ ምንታይከ እግዚኣብሄር ብቓልካ ኽቝጣዕን ንግብሪ ኣእዳውካ ኸጥፍኦን እትደሊ?
ኣብ ማእኸል ዓያሹ ብዓውታ ኻብ ዝንገር ዘረባ ገዛኢስ፥ ብህድኣት ዝንገር ቃል ጥበበኛታት ብዝበለፀ ይስማዕ።
“ሕያዋይ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ ነገር የውፅእ።”
ንሱ ድማ ‘ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ፥ ከም ቃልካ ኽፈርደካ እየ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፥ ዘይዘራእኽዎ ዝዓፅድ፥ ጨካን ሰብ ምዃነይ እናፈለጥካ ደኣ
እቶም ዝሰምዕዎ ዅላቶም፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ዝነበረ ፀጋ ዝመልኦ ቓል ተደኒቖም “እዙይ እቲ ወዲ ዮሴፍዶ ኣይኮነን?” በሉ።
እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፥ ከከምዘድልዮም ክሃንፅ ዝኽእል፥ ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፥ ዘይግባእ ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ።
ንነፍሲ ወከፍ፥ ብቑዕ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፥ ኣዘራርባኻትኩም፥ ብጨው ከም ዝተቐመመ፥ ኵልሻዕ ብፀጋ ዝመልአ ይኹን።