1 ዝሞቱ ፅንፅያታት ነቲ ብጥዑም ጨና ተቐሚሙ ዝተሰርሐ ሽቱ ኸም ዘጭንውዎ፥ ንእሽተይ ዕሽነትውን ንጥበብን ክብርን ተበላሽዎ።
ኢዩ ወዲ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ኸዓ ኽራኸቦ ወፀ፦ “ንንጉስ ኢዮሳፍጥ ከዓ፥ ነቲ ከሓዲዶ ትሕግዝ ኣለኻ ወይ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፀልእዎ ኽትፈትዎም ግቡእዶ ይመስለካ? በዝ ነገር እዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።
ከምዙይ ድማ በልክዎም፦ “ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል በዝ ነገር እዙይዶ ኣይኮነን ዝበደለ? ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸዓ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግና ንእኡውን ባዕዳን ኣንስቲ ኣስሓታኦ።
ስለዙይ ናብ ሓጢኣት ምእንቲ ኽወድቕ ከፈራርሐኒ፥ በዙይ ከዓ ስመይ ከካፍኡንን ከዋርዱንን ንሸማያ ብገንዘብ ደለልዎ።
ካብ ሑፃ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፤ ስለዙይ ቃለይ ምግታእ እስእን ኣለኹ።
ንእኡ ኸምቲ ኽኢላ ገባሪ ቅብኢ ዝገብሮ ጌርካ ጥዑም ዝጨናኡ፥ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ግበር። ንሱ ዝተቐደሰ ዘይቲ ቕብኣት ይኸውን።
ካብ ኣፅዋር ውግእ ጥበብ ትበልፅ፤ ሓደ ሓጢኣተኛ ግና ብዙሕ ሰናይ ነገራት የጥፍእ።
ሽዑ ሓጌ “ሬሳ ብምንካእ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚኣቶም እንተ ነኽአኸ ይረክስዶ?” ኢሉ ጠየቖም። እቶም ካህናት ድማ “እወ ይረክስ” ኢሎም መለሱሉ።