Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 1:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 እቲ ዝኾነ ነገር፥ ንሱ መሊሱ ይኸውን፤ እቲ ቕድም ዝተገብረ ኸዓ ሕዚ መሊሱ ይግበር። ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ሓድሽ ነገር የለን።

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 1:9
10 Referencias Cruzadas  

ሰብ፥ “እንሆ እዝ ነገር እዙይ ሓድሽ እዩ” ኽብልዶ ይኽእል? ንሱ በቶም ኣብ ቅድሜና ዝነበሩ ዘመናት ተገይሩ እዩ።


ድሕሪ ንጉስ ዝመፅእ ሰብ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዝገበርዎ እንተ ዘይኮይኑ እንታይ ይገብር? ስለዙይ ኣነውን ጥበብን ዕብዳንን ዕሽነትን እንታይ ምዃኑ ንምፍላጥ ከስተንትን ጀመርኩ።


እቲ ሕዚ ዘሎ ቕድም ዝነበረ እዩ፤ እቲ ዝኸውን ዘሎውን ቀደም ዝኾነ እዩ፤ እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓለፈ መመሊሱ ክኸውን ይደልዮ።


ነቲ ዝኾነ ዅሉ ኣቐዲሙ ስም ወፂኡሉ እዩ፤ ሰብ ከም ዝኾነውን ተፈለጠ፤ ምስቲ ኻብኡ ዝበርትዐ ኽፋረድ ኣይኽእልን።


“ካብዝ ዘመን እዙይ፥ እቲ ዝሓለፈ ዘመን ንምንታይ ሐሸ?” ኢልካ ኣይትናገር፤ ነዝ ነገር እዙይ ብጥበብ ኣይኮንካን እትጥይቕ ዘለኻሞ።


እንሆ፥ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፤ ንሱውን ሕዚ ኽበቍል እዩ፤ ንስኻትኩምውን ኣይትፈልጥዎን ዲኹም? መንገዲ ኣብ ምድረ በዳ፥ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድሪ ኣፃምእ ክገብር እየ።


ኣቲ ኸዳዕ ጓል፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትንከራተቲ? እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ምድሪ፥ ሓድሽ ነገር ፈጢሩ እዩሞ፤ ሰበይቲ ንሰብኣይ ክትከቦ እያ።”


ግና ሓሰውቲ ነቢያት ኣብ ማእኸል ህዝቢ እግዚኣብሄር ተሲኦም ከም ዝነበሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን፥ ሓሰውቲ መምህራን ክትስኡ እዮም። ንሳቶም ብሕቡእ፥ ጥፍኣት ዘስዕብ መናፍቕነት ከምፅኡ እዮም። ነቲ ዝተቤዘዎም ጐይታ ብምኽሓድውን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም፥ ቅልጡፍ ጥፍኣት ከምፅኡ እዮም።


ብድሕሪዙይ፥ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረአኹ። እቲ ቐዳማይ ሰማይን፥ እታ ቐዳመይቲ ምድርን፥ ሓሊፎም እዮም እሞ፥ ባሕሪ እውን ደጊም ኣይህሉን።


እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ “እንሆ፥ ኣነ ንዅሉ ሓድሽ ክገብሮ እየ” በለ። ቀፂሉ ድማ፥ “እዝ ቓል እዙይ፥ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ ፀሓፎ” በለኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos