Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መክብብ 1:8 - መፅሓፍ ቅዱስ

8 ኵሉ ነገር መድከሚ እዩ፤ ሰብ ብቓል ክገልፆ ኣይኽእልን፤ ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትፀግብን፤ እዝንውን ብምስማዕ ኣይትመልእን።

Ver Capítulo Copiar




መክብብ 1:8
16 Referencias Cruzadas  

ነፍሰይ ብጠስምን ብስብሕን ከም ዝፀግቡ ኽትፀግብ እያ፤ ከናፍረይ ብደስታ ንስምካ የመስግና።


ሞትን ሲኦልን ከም ዘይፀግቡ፥ ዓይኒ ወዲ ሰብውን ኣይፀግብን።


ኵሉ ኣፍላግ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ፤ ባሕሪ ግና ኣይመልእን፤ መሊሱ ኽጅምር ከዓ እቲ ማይ ናብቲ ምውሓዝ ዝጀመረሉ ኣፍላግ ይምለስ።


ሽዑ ነቲ ዅሉ ኢደይ ዝሰርሐቶ ስራሐይን ነቲ ዝደኸምኩሉ ድኻመይን ተመልከትኩ፤ እንሆ ኸዓ ዅሉ ኸንቱ፥ ንንፋስውን ከም ምኽታል ነበረ፤ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ድማ ረብሓ የለን።


እግዚኣብሄር ነቲ ዘሐጕሶ ሰብ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፤ ንሓጥእ ግና ነቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ሰብ ምእንቲ ኽህቦስ፥ ክእክብን ክድልብን ከም ዝፅዕር ይገብሮ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።


ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ።


ኵሉ ድኻም ሰብ ንኣፉ እዩ፤ ነፍሱ ግና ኣይትፀግብን።


“ንስኻትኩም ብዙሕ ተፀበኹም፤ እንሆ ኸዓ ውሑድ ኣእተኹም። ናብ ቤት ምስ ኣእተኹምዎ ኸዓ፥ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። እዙይ ስለ ምንታይ እዩ? ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ነፍሲ ወከፍኩም ናብ ገገዛኹም እናጐየኹም፥ ቤተይ ዑና ኾይኑ ስለ ዝተረፈ እዩ።


“ኣቱም እትፅዕሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵልኻትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ።


ንፅድቂ ዝጠምዩን ዝፀምኡን ብፁኣን እዮም፤ ክፀግቡ እዮም እሞ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos