15 ቀይናን ክቐንዕ ኣይኽእልን እዩ፤ ዝጐደለውን ክቝፀር ኣይኽእልን እዩ።
ኣበይሞ ናይ ጥበብ ምስጢራት፥ ካብቲ ዘሎ ዕፅፊ ምዃኑ እንተ ዝገልፀልካስ፥ እግዚኣብሄር ንሓጢኣትካ፥ ካብ ዝግባእ ኣንኢሱ ኸም ዘኸፍለካ ምፈለጥካ።”
ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥ መን እዩ ዝዅንኖ? ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?
ኵሉ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ንዘለኣለም ከም ዝነብር እፈልጥ እየ፤ ክውሰኾ ኾነ ኽንከዮ ኣይከኣልን እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ፥ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኽፈርሑ ኸምዙይ ገበሮ።
ኣነ ግና ንጥበብን ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታን መርሚረ ኽፈልጥ፥ ሓጢኣት ዕሽነት፥ ዕሽነትውን ዕብዳን ከመይ ከም ዝኾነ ኽርዳእ ልበይ ኣቕለብኩ።
ስንጭሮ ዝኾነ ልዕል ይበል፤ ኵሉ እምባታትን ኰረብታታትን ድማ፥ ትሕት ይበል፤ ቀይናን ይቕናዕ፤ ድንጕር ከዓ ሰጥ ዝበለ ሜዳ ይኹን።
ኢትዮጵያዊ ሕብሩ፥ ነብሪ ዝንጕርጕርነቱ፥ ክልውጥዶ ይኽእል እዩ? እምበኣር ንስኻትኩምውን ክፉእ ምግባር ዝለመድኩም፥ ፅቡቕ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
ሜም። እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞ፥ ዝናገርን ዝፍፅምን መን እዩ?
እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም፥ ብእኡ ኸም ኢምንት ይቝፀሩ፤ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ ይገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፥ ወይ ‘ስለ ምንታይ እዙይ ትገብር?’ ክብሎ ዝኽእልውን የለን።
ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ፥ ኣብ ልዕሊ ቑመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን እዩ?