13 ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝግበር ኵሉ ብጥበብ ክምርምርን ከፅንዕን ልበይ ኣትጋህኹ። እዙይ ከዓ ደቂ ሰብ ክደኽሙሉ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ከንቱ ፃዕሪ እዩ።
ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።
ሰብ ንፀልማት ወሰን ይገብረሉ፤ ንናይ ኣእማን ፀልማትን ናይ ፅላሎት ሞትን፥ ክሳዕ መወዳእታ ይመራመሮ።
ግብሪ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ብዅሎም እቶም ዝሕጐሱላ ተደላዪት እያ።
ምፍላይ ዝፈቱ ትምኒቱ ይኽተል፤ ንዅሉ ሰናይ ጥበብውን ይቃወም።
ልቢ መስተውዓሊ፥ ፍልጠት የጥሪ፤ እዝኒ ጠቢባን ከዓ ፍልጠት ትደሊ።
ወደይ፥ ልብኻ ሃበኒ፤ ኣዒንትኻ ድማ መንገደይ ይፍተዋ።
ክብሪ እግዚኣብሄር ነገር ምስዋር እዩ፤ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ።
ጥበብ ዓባይ ነገር እያ እሞ ኣጥርያ፤ ካብ ኵሉ ሃብትኻውን ንምስትውዓል ኣጥርያ።
ንጥበብ ክፈልጣ፥ ንዕብዳንን ንዕሽነትን፥ ከስተብህለን ኢለ ልበይ ወፈኹ። እዙይውን ንንፋስ ከም ምኽታል ምዃኑ ኣስተውዓልኩ።
ከምቲ መንገዲ ንፋስ ዘይትፍለጥ፥ ከምቲ ኣዕፅምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ከም ዝውጠን ዘይፍለጥ፥ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣይትፈልጦን ኢኻ።
ብዝተረፈ ወደይ፥ ንተግሳፅ ስማዕ፤ መፃሕፍቲ ምፅሓፍ መወዳእታ የብሉን፤ ብዙሕ ምምርማር ድማ ንሰውነት የድክም እዩ እሞ።
ኵሉ ዘመኑ ሓዘን፥ ፃዕርን ትካዘን እዩ፤ ለይቲ እኳ ልቡ ኣይድቅስን፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
እግዚኣብሄር ነቲ ዘሐጕሶ ሰብ፥ ጥበብን ፍልጠትን ሓጐስን ይህቦ፤ ንሓጥእ ግና ነቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስ ሰብ ምእንቲ ኽህቦስ፥ ክእክብን ክድልብን ከም ዝፅዕር ይገብሮ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
እግዚኣብሄር ንደቂ ሰብ ምእንቲ ኽፅዕሩ ዝሃቦም ስራሕ ረአኹ።
ንዅሉ ብእዋኑ ፅቡቕ ገይሩ ሰርሖ። እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ፥ ሰብ መርሚሩ ኸይረኽቦ ዘለኣለማዊነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣሕደረ።
ኵሉ ፃዕርን ኵሉ ምስላጥ ስራሕን ከዓ ንሰብ ኣብ ብፃዩ ቕንኢ ከም ዘተስእ ረአኹ። እዙይ ከዓ ኸንቱ እዩ፤ ንንፋስውን ከም ምኽታል እዩ።
ካልኣይ ዘይብሉ በይኑ ዝነብር ሰብ ኣሎ። ውሉድ ኮነ ሓው የብሉን፤ ንፃዕሩ ግና ወሰን የብሉን፤ ኣዒንቱ ኸዓ በቲ ሃብቱ ኣይፀግባን፤ ንነፍሰይ ፅቡቕ እናኸላእኹ ዝደኽሞ፥ ንመን እዩ? እዙይውን ከንቱን ሕማቕ ፃዕርን እዩ።
ኣነ ግና ንጥበብን ናይ ኵሉ ነገር መወዳእታን መርሚረ ኽፈልጥ፥ ሓጢኣት ዕሽነት፥ ዕሽነትውን ዕብዳን ከመይ ከም ዝኾነ ኽርዳእ ልበይ ኣቕለብኩ።
እዝ ዅሉ ረአኹ፤ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝግበር ግብሪ ኸዓ ልበይ ኣቕናዕኹ፤ ሰብ ንሰብ ክጐድእ ገዛኢ ዝኾነሉ ጊዜ ኣሎ።
እናዓበኻ ትኸይድ ከም ዘለኻ፥ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኽግለፅ፥ በዞም ነገራት እዚኣቶም፥ ኣፀቢቕካ ትጋህ፤ ንኽትፍፅሞም ከዓ፥ ኵለንትናካ ወፊ።