11 ነቲ ቐደም ዝነበረ ነገራት ዝዝክሮ የብሉን፤ ነቲ ኻብ ሕዚ ንደሓር ዝኾን ከዓ እቶም ደሓር ዝመፁ ኣይዝክርዎን እዮም።
ፀላእቲ ብዂናት ንሓዋሩ ጠፍኡ፤ ከተማታቶም ኣፍረስካ፤ መዘከርታኦምውን ብሓባር ጠፍአ።
ሰብ፥ “እንሆ እዝ ነገር እዙይ ሓድሽ እዩ” ኽብልዶ ይኽእል? ንሱ በቶም ኣብ ቅድሜና ዝነበሩ ዘመናት ተገይሩ እዩ።
በተን ዝመፃ መዓልቲታት ኵሉ ኽርሳዕ እዩሞ፥ ነቲ ጥበበኛ ኾነ ነቲ ዓሻ ናይ ዘለኣለም መዘከርታ ኣይርከብን። ኣየ! ለባም ምስ ዓሻ ኸመይ ይመውት!
ከምኡውን ሓጥኣን ከም ዝተቐብሩን ናብ ዕረፍቲ ኸም ዝኣተዉን ረአኹ፤ ቅኑዓት ግና ኻብታ ቕድስቲ ቦታ ወፁ፥ ኣብታ ኸተማ ኸዓ ተረስዑ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ።
ህያዋን ከም ዝሞቱ ይፈልጡ እዮም፤ ምዉታት ግና ሓደ እኳ ኣይፈልጡን። መዘከርታኦም ተረሲዑ እዩ፤ ድሕሪዙይ ከቶ ረብሓ የብሎምን።
እንሆ እቲ ናይ ቀደም ነገር ተፈፀመ፤ ሕዚ ኸዓ ሓድሽ ነገር ክነግረኩም እየ፤ ገና እንተይኮነ ብዛዕባኡ ኸፍልጠኩም እየ።”