5 “ንሕና ሓጢኣት ገበርና፤ በደልና፤ ክፍኣት ገበርና፤ ከዳዓትውን ኮንና፤ ካብ ትእዛዛትካን ካብቲ ሕግጋትካን ኣግለስና።
እዙይ ከዓ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎን ንኺዳኑ ብምፍራሶምን፥ ነቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ስለ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ።
እዙይ ከዓ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን፥ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብፂ ዝወፁላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዘቘጥዑንን እዩ።”
ከምዙይ ኢለ ድማ ፀለኹ፦ “ኦ ኣምላኸይ፥ ሓጢኣትና ልዕሊ ርእስና በፂሑ፤ ኣምላኸይ፥ ገፀይ ናባኻ ቕንዕ ምባል የሕፍረንን የፍርሐንን።
ምስ ኣቦታትና ሓጢኣት ገበርና፤ ዓመፅና፥ ክፉእውን ገበርና።
ንስኻ ምሂርካኒ ኢኻሞ፥ ካብ ፍርድታትካ ኣይረሓቕኩን።
ከም ዘጠፍአ በጊዕ ኰለል እብል ኣለኹ፤ ትእዛዛትካ ኣይረሳዕኹንሞ፥ ንባርያኻ ድለዮ።
መንገዲ እግዚኣብሄር ሓሊየ እየሞ፤ ኣብ ኣምላኸይውን ኣይዓመፅኩን።
ኵላትና ኸም ዝተበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፥ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ።”
ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕና፤ ከሓድናዮውን፤ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ንድሕሪት በልና፤ ግፍዕን ዓመፅን ተዛረብና፤ ዘረባ ሓሰት ጠኒስና፥ ካብ ልብና ኣውፃእናዮ።
ነቶም ዝፅበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር፥ ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፤ ኣብ እዝኒ ኣይተነግረን፥ ብዓይኒውን ኣይተርኣየን።
ኦ እግዚኣብሄር! ንኣኻ በዲልና ኢናሞ፥ ንእመን ኣለና። ሓጢኣትናን በደል ኣቦታትናን፥ ተፈሊጡና ኣሎ።
ክድዓትና ብዙሕ እዩ፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና፤ ስለዙይ ኦ እግዚኣብሄር፥ ሓጢኣትና እኳ እንተ መስከረልና፥ ስለ ስምካ ኢልካ ግበር።
ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፥ ምስማዕ ስለ ዝኣበና፥ ንሕናን ኣቦታትናን፥ ካብ ንእስነትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝበደልና፥ ኣብ ሓፍረትና ፈፈው ንብል፤ ነውርና ኸዓ የጐልብበና።
ኵሎም ፈተውትኻ ረስዑኻ፤ ብኣኻውን ኣይግደሱን፤ ብሰንኪ ዓብዪ በደልካን፥ ሓጢኣትካውን ስለ ዝበዝሐን፥ ከም ፀላኢ ቐፃዕኹኻ፤ እወ፥ መቕፃዕትኻ ብርቱዕ ነበረ።
እዙይ ዝኾነ ኸዓ ምእንቲ ኸቘጥዑኒ ብሰንኪ እቲ፥ ንሳቶም ኮነ ንስኻትኩም ወይ ኣቦታትኩም ዘየምለኽዎም፥ ንዘይፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸገልግሉን ዕጣን ክዓጥኑን ኢሎም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፍኣቶም እዩ።
ፃዴ። “ኣነ ኣብ ልዕሊ ቓል ኣፉ፥ ስለ ዝዓመፅኩ እዩ እምበር፥ እግዚኣብሄር ፃድቕ እዩ። ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም ስምዑ፤ ስቓየይውን ረአዩ፤ ኣጕባዘይን ጐርዞታተይን ተማሪኾም ከዱ።”
ሬስ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ተጨኒቐ እየሞ፥ ኣምዑተይውን ተሃዊኹኒ እዩሞ ተመልከት፤ የመና ዓመፀኛ ኾይነ እየሞ፤ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተገላበጠኒ፤ ኣብ ወፃኢ ሰይፊ ንደቀይ ይውድእ ኣሎ፤ ኣብ ውሽጢ ቤትውን ሞት ኣሎ።”
“ንሕና በደልና፤ ዓመፅናውን፤ ንስኻ ኸዓ ይቕረ ኣይበልካልናን።”
ንፍርደይ ንዒቖም፥ ከም ሕግጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፥ ንሳ ብሓጢኣታ ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተፃረረቶ፤ ካብተን ከቢበንኣ ዘለዋ ሃገራት ገዲዳ ድማ ንሕግጋተይ ኣፍረሰቶ።”
እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከዓ፥ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፥ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣዖታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፥ ኣብቲ ዝማረኽዎም ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኮይኖም ክዝክሩኒ እዮም፤ በቲ ብዅሉ ርኽሰቶም ዝገበርዎ ኽፍኣት ከዓ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም።
ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፤ ምስማዕውን ኣበየ። ኣብ ልዕሌኻ ሓጢኣት ስለ ዝሰራሕና፥ ኣብ ሕጊ እቲ ብኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝተፅሓፈ፥ ማሕላን መርገምን ወረደና።
“ሕዚ እውን ንህዝብኻ ኻብ ምድሪ ግብፂ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውፃእኻ፥ ከምዝ ሎሚ ኽሳዕ እዝ መዓልቲ እዙይውን ስምካ ኽፍለጥ ዝገበርካ ጐይታ ኣምላኽና፥ ሓጢኣት ሰሪሕና ኢና፤ ንኣኻውን በዲልና ኢና።
ንሕና እኳ እንተ ኸዳዕና፥ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ።
እግዚኣብሄር ብመጀመሪያ ብሆሴዕ ገይሩ ኽዛረብ ምስ ጀመረ፥ እግዚኣብሄር ንሆሴዕ “እታ ምድሪ ኻብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ተመንዝር ኣላ እሞ፥ ንስኻ ኸዓ ኺድ፥ ኣመንዝራ ሰበይትን ደቂ ኣመንዝራን ንኣኻ ውሰድ” በሎ።
ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚሩ፥ ካብ ትእዛዛተይ ድሕር ኢልኩም ኢኹም፤ ኣይሓለኹምዎንውን፤ ናባይ ተመለሱ፤ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ብኸመይ ኢና እንምለስ ትብሉ ኣለኹም።
ኣሕዋተይ፥ ካባኻትኩም ካብቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዘርሕቕ፥ ክፉእን ዘይኣምን ልብን ዘለዎ ሓደኳ ኸይህሉ ተጠንቀቑ።