3 ወጮ ተኸዲነ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሙዅሽቲ ኾይነ፥ ብፆምን ብፀሎትን ብምህለላን፥ ገፀይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቕናዕኹ።
ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ እግዚኣብሄር ለመነ፤ ዳዊትውን ፆመ፤ ኣትዩ ድማ ኣብ መሬት ደቀሰ።
እዝራ ድማ ኻብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ተሲኡ፥ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሴብ ኣተወ። ናብኡ ኸይዱ ኸዓ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጒሂ ነበረ እሞ እንጀራ ኣይበልዐን ማይውን ኣይሰተየን።
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኽነዋርድ፥ ንኣናን ንህፃናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅኑዕ መንገዲ ንኽኾነልና፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣሃዋ ፆም ኣወጅኩ።
ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ድማ ምስ ቅዱድ ክዳነይን ባርኖሰይን ካብ ሓዘነይ ተሳእኹ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኹ።
ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይዛ ወርሒ እዚኣ፥ ደቂ እስራኤል ተኣኪቦም፥ ወጮ ተኸዲኖም፥ ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ፆሙ።
“ኪድ እሞ፥ ኣብ ሱሳ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፥ ለይትን መዓልትን እንተይበላዕኹምን እንተይሰተኹምን ምእንታይ ፁሙ፤ ኣነውን ምስ ኣግራደይ ኮይነ ኽፀውም እየ። ሽዑ ሕጊ እኳ ዘይፈቐዶ እንተ ኾነ፥ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፤ እንተ ሞትኩ እሙት” ኢላ ለኣኸትሉ።
ስለዙይ ንርእሰይ እንዕቓ ኣለኹ፤ ኣብ ሓመድን ሓሙዅሽትን ኮይነ እንሳሕ ኣለኹ።”
ኣነ ግና ንሳቶም ምስ ሓመሙ፥ ወጮ ተኸደንኩ፤ ንነፍሰይውን ብፆም ኣድከምኩዋ፤ ፀሎተይ ናብ ሕቝፈይ ተመለሰ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ክትበኽዩን ዋይ ዋይ ክትብሉን ርእስኹም ክትላፅዩን ወጮ ኽትክደኑን ፀውዐኩም።
“ናባይ ጥራዕ፤ ኣነውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ዘይትፈልጦ ዓቢይን ዘይምርመርን ነገር ድማ ኽገልፀልካ እየ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ኸምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ስለዙይ፥ ቤት እስራኤል እዙይ ክገብረሎም ክደልዩኒ እዮም፤ ኣነውን ንሰብ ከም መጓሰ ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ።
ዳንኤል ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ብኣዋጅ ከም ዝወፀ ምስ ፈለጠ፥ ናብ ቤቱ ኸደ። እታ ኣብ ደብሪ ዝነበረት ቤቱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ዝጥምታ መሳዅቲ ነበራኣ። እተን መሳዅቲ ብኽፉታተን ከዓ፥ ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሻዕ ኣብ መዓልቲ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ ፀለየን ኣመስገነን።
ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ኣነ ዳንኤል፥ ነቲ እግዚኣብሄር ብቓሉ፥ ንነቢይ ኤርሚያስ ዝተዛረቦ፥ ዕንወት ኢየሩሳሌም ዝፍፀመሉ ሰብዓ ዓመታት ኣብ ቅዱሳት መፃሕፍቲ፥ ቍፅሪ ዘመናት ኣስተብሃልኩ።
ኣነውን እናተናገርኩን እናፀለኹን፥ ናይ ባዕለይን ናይ ህዝበይ እስራኤል ሓጢኣትን እናተናዘዝኩ፥ ስለ እቲ ቅዱስ እምባ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ እናለመንኩ እምህለል ነበርኩ።
ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይውን፥ ከምዙይ ኢለ ፀለኹ ተናዘዝኩውን። “ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን፥ ኪዳንካን ምሕረትካን እተፅንዕ፥ ዓቢይን ዝተፈራሕኻን ኣምላኽ!
መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን፥ ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተሪፉ እዩ እሞ፥ ኣቱም ካህናት፥ ወጮ ተዓጢቕኩም ብኸዩ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢውን፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ፥ ንዑ፤ ምሉእ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ወጮ ደቅሱ።
እምበኣርከስ ሕዚ እውን፥ ብፆምን ብብኽያትን ብሓዘንን፥ ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ሰብ ነነዌ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣመኑ፤ ፆም ድማ ኣወጁ፤ ኵሎም ሰባትውን ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ኣናእሽቶም ወጮ ተኸደኑ።
እዝ ኸምዙይ ዝዓይነቱ ግና፥ ብፆምን ብፀሎትን እንተ ዘይኮይኑ ኣይወፅእን እዩ” በሎም።
ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ካብ ቤተ መቕደስ እንተይወፀትውን፥ ብፆምን ብፀሎትን ለይትን መዓልትን፥ ንእግዚኣብሄር ተገልግል ነበረት።
ቆርኔሌዎስ ድማ “ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፥ ከምዛ እዋን እዚኣ ብታሽዐይቲ ሰዓት፥ ኣብ ገዛይ እፅሊ ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ዘንፀባርቕ ክዳን ዝተኸድነ ሰብኣይ፥ ኣብ ቅድመይ ደው በለሞ፥