9 ካብ ሓዲአን ከዓ ንእሽተይ ቀርኒ ወፀ፤ ንሱውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ሰናይ ምድርን ኣቢሉ የመና ዓበየ።
ንህዝቡ የመና ኣብዝሖም፤ ካብ ፀላእቶምውን ኣበርትዖም።
ብወገን ሰሜን ኣብቲ ፅቡቕ ስፍራ ዝቖመ፥ ናይ ኵሉ ምድሪ ሓጐስ እምባ ፅዮን እዩ፤ ንሱውን ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እዩ።
“ኣነ ግና ምስ ውሉድ ገይረ፥ ካብ ኵሉ ዝበልፅ ምሩፅ ምድሪ ርስቲ ኣህዛብ፥ ክህበኪ እየ ኢለ ነበርኩ። ንስኺ እውን ‘ኣቦይ’ ኢልኪ ኽትፅውዕኒ፥ ንኣይ ካብ ምኽታልውን፥ ኣይትምለስን ኢለ ነበርኩ።”
ልቦም ንጣዖታቶም ስለ ዝሰዓበ፥ ትእዛዘይ ኣብዮም ከም ሕግጋተይ ከዓ ኣይተመላለሱን፤ ሰናብተይ ድማ ኣርኪሶም እዮም እሞ፥ ናብታ ዝሃብክዎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵላተን ሃገራት ከዓ እትበልፅ ሃገር ኣየእትዎምን እየ ኢለ፥ ኣብ ምድረ በዳ መሓልኩ።”
በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ምድሪ ግብፂ ኸውፅኦም፥ ናብታ ኣነ ዝሓረኹሎም ፀባን መዓርን እተውሕዝ፥ ካብ ኵሉ ምድሪ እትበልፅ ምድሪ ኸእትዎም መሓልኩሎም።
እቲ ዝመፀ ግና ኸም ዝደለዮ ኽገብር እዩ፤ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐውምውን የለን። ንሱ ኣብታ ፅብቕቲ ምድሪ ኽቐውም እዩ። ብኢዱውን ብዙሕ ጥፍኣት ክኸውን እዩ።
“ንእኡ ተኪኡ፥ ሓደ ዝተንዓቐ ኽብሪ መንግስቲ ዘይተውሃቦ ሰብ፥ ክለዓል እዩ፤ ቀስ ኢሉ ኽመፅእ፥ እናቀባጠረ ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ እዩ።
ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኽጥምት እንተለኹ፥ ኣብ ማእኸሎም ንእሽተይ ካልእ ቀርኒ ወፀ፤ ሰለስተ ኻብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተነቓቐሉ። ነዝ ቐርኒ እዙይ፥ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይኒ ነበሮ። ብትዕቢት ዝዛረብ ኣፍ ድማ ነበሮ።
ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ፥ ብንፋስ ኣውሎ በተንክዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ብድሕሪኦም ባደመት፤ ስለዙይውን ናብኣ ዝኸይድ ወይ ብኣኣ ዝሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነታ ፅብቕቲ ሃገር ድማ ኣባደምዋ።”