Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 8:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ምስቲ ማጕላ በጊዕ ክዋጋእ እንተሎ ድማ ረአኽዎ፤ የመና ተቘጢዑ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ በጊዕ ወቕዖ እሞ ኽልቲአን ኣቕርንቱ ሰበሮ፥ ናብ ምድሪ እውን ኣውደቖን ረገፆን። እቲ ማጕላ በጊዕ ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፤ ስለዙይ ነቲ ማጕላ፥ ካብ ኢዱ ኸናግፎ ዝኸኣለ ኣይነበረን።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 8:7
8 Referencias Cruzadas  

ንጉስ ደቡብ ኽቝጣዕ እዩ፤ ወፂኡውን ምስ ንጉስ ሰሜን፥ ክዋጋእ ኢሉውን ብዙሕ ህዝቢ ኸኽትት እዩ። እቶም ህዝቢ ሓሊፎም፥ ኣብ ኢዱ ክወሃቡ እዮም።


ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወሰደ፤ ግና ብህይወት ክፀንሑ፥ ዘመንን ውሱን ጊዜን ተውሃቦም።


ድሕሪዙይ ብራእይ ለይቲ፥ መፍርሕን መደንገፅን የመና ብርቱዕን ዝኾነ፥ ራብዓይ ኣራዊት ረአኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓፂን ነበሮ፤ ይውሕጥን፥ ነቲ ዝተረፈ ኸዓ በእጋሩ ይረግፆን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅላቶም ኣራዊት ፍሉይ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፤ ዓሰርተ ኣቕርንቲ እውን ነበሮ።


ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ልዕል ልዕል በለ፤ ካብ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ድማ፥ ንብዙሓት ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ረገፆም።


ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሩባ ደው ኢሉ ናብ ዝረአኽዎ ማጕላ በጊዕ መፀ፤ ብቝጡዕ ሓይሉ ድማ ናብኡ ኣቢሉ ጐየየ።


እቲ ዲበላ ጤል ግና እምብዛ እናበርትዐ ኸደ። ምስ በርትዐ ድማ፥ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰበረት፤ ክንድኣ ኸዓ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ዝጥምታ፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣቕርንቲ ኣብ ትሕቲኡ ወፃ።


ሓደ እኳ እንተየሳጐጎም፥ ካብ ቅድሚ ሰይፊ፥ ከም ዝሃድሙ ንስንሳቶም ይሰነኻኸሉ፤ ስለዙይ ኣብ ቅድሚ ፀላእትኹም ደው ክትብሉ ኣይትኽእሉን ኢኹም።


እቶም ናይ ጋይ ሰባት፥ ንድሕሪኦም ግልፅ እንተ በሉ፥ እንሆ ትኪ ኻብታ ኸተማ ንሰማይ ክወፅእ ረአዩ። ሽዑ ናብዙይ ኮነ ናብቱይ ክሃድሙ ኣይከኣሉን። እቶም ንምድረ በዳ ኣቢሎም ዝሃደሙ ህዝቢ እስራኤል ናብኣቶም ኣቢሎም ተመሊሶም ነበሩሞ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos