6 ንሱ ናብቲ ኽልተ ዝቐርኑ፥ ኣብ ቅድሚ ሩባ ደው ኢሉ ናብ ዝረአኽዎ ማጕላ በጊዕ መፀ፤ ብቝጡዕ ሓይሉ ድማ ናብኡ ኣቢሉ ጐየየ።
ነዙይ ከስተብህል እንተለኹ፥ እንሆ ዲበላ ጤል ካብ ምዕራብ፥ ምድሪ እንተይረገፀ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ መፀ። እዝ ዲበላ ጤል እዙይ ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዒንቱ ዓባይ ቀርኒ ነበረቶ።
ምስቲ ማጕላ በጊዕ ክዋጋእ እንተሎ ድማ ረአኽዎ፤ የመና ተቘጢዑ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ነቲ ማጕላ በጊዕ ወቕዖ እሞ ኽልቲአን ኣቕርንቱ ሰበሮ፥ ናብ ምድሪ እውን ኣውደቖን ረገፆን። እቲ ማጕላ በጊዕ ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፤ ስለዙይ ነቲ ማጕላ፥ ካብ ኢዱ ኸናግፎ ዝኸኣለ ኣይነበረን።