3 ኣዒንተይ ኣልዒለ ረአኹ፤ እንሆ፥ ክልተ ዝቐርኑ ማጕላ ኣብ ቅድሚ እቲ ሩባ ደው ኢሉ ነበረ፤ እተን ክልተ ኣቕርንቱ ድማ ነዋሕቲ ነበራ። እታ ሓንቲ ኻብታ ሓንቲ ዝነውሐት ነበረት። እታ ነዋሕ ቐርኒ ደሓር ዝወፀት ነበረት።
ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቈላሕ ኣበለ፤ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ሰማይን ኣብ መንጎ ምድርን ደው ኢሉ፥ ዝተመዘዘት ሰይፊ ኸዓ ኣብ ኢዱ ሒዙ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ዘርጊሑ ረአየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ወጮ ተኸዲኖም ብገፆም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ።
“ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ኸዓ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ።
ነቲ ምኽሮም ከፍርሱ ድማ መኻሮ ብገንዘብ ዓደጉሎም። እዙይ ከዓ ብዅሉ ዘመን ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ መንግስቲ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኮነ።
ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ፥ ንዅሎም ዓበይትን ሹመኛታቱን፥ ንመራሕቲ ሰራዊት ፋርስን ሜዶንን፥ ነቶም ገዛእቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዪ ድግስ ገበረሎም።
እንሆ፥ ነቶም ንብሩር ግዲ ዘይብሎም፥ ንወርቂ ኸዓ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ከተስአሎም እየ።
ዘጨንቕ ራእይ ተነገረኒ፤ ዓማፃይ ይዕምፅ፤ መጥፍኢ የጥፍእ። ኤላም ደዪቢ፤ ሜዶንውን ክበቢ፤ ንምስቍርቋር መወዳእታ ኽገብረሉ እየ።
ንቂሮስ ከዓ ‘ንሱ ጓሳይ እዩ’ ኢየሩሳሌም ‘መሊሳ ትተሃነፅ’ እቲ ቤተ መቕደስውን ‘ይመስረት’ ኢሉ፥ ንዅሉ ፍቓደይ ክፍፅም እዩ እብል ኣለኹ።”
ፍላፃታት ሰሓሉ፤ ዋላቱውን ኣዳልዉ፤ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ከጥፍኣ ስለ ዝሓሰበ፥ ንነገስታት ሜዶን ኣለዓዓሎም፤ እዙይ ናይ እግዚኣብሄር በቀል እዩ፤ ስለ ቤተ መቕደሱውን ክብቀል እዩ።
ዓይነይ ቈላሕ ምስ ኣበልኩ ድማ፥ እንሆ፥ ብልሕፂ እንጣጢዕ ዝተኣልመ ዓለባ ዝተኸድነ፥ ኣብ ሕቘኡ ድማ ፅሩይ ወርቂ ዝናር ዝተቐነተ ሰብኣይ ረአኹ።
ብድሕሬኻ ድማ ኻባኻ ዝንእስ፥ ካልእ መንግስቲ ኽትስእ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዝገዝእ፥ ካልእ ሳልሳይ መንግስቲ ነሃስውን ክትስእ እዩ።
ዳርዮስ ሜዶናዊ ኸዓ፥ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት እንተሎ፥ ነታ መንግስቲ ወሰዳ።
እዝ ዳንኤል እዙይ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ በዓል ፋርስን የመና ኽቡር ነበረ።
እቲ ኻልኣይ ንድቢ ይመስል ነበረ። ንሱ ብጐድኑ ተስአ፤ ሰለስተ ዓፅሚ ጐድኒ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ሒዙ ነበረ። “ተስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” በልዎ።
ብራእይ ከዓ ረአኹ፤ እንትርኢ ድማ፥ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ኸተማ ሱሳን ከም ዘለኹ ረአኹ። በቲ ራእይ ኣብ ጥቓ ሩባ ኡባል ነበርኩ።
“እቲ ዝረአኻዮ ኽልተ ዝቐርኑ ማጕላ፥ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም።
ኣዒንተይ ድማ ኣልዒለ፥ እንሆ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ረአኹ።
መሊሰ ናብ ላዕሊ ጠመትኩ፤ እንሆ፥ ኣብ ኢዱ መለክዒ ገመድ ዝሓዘ ሰብኣይ ረአኹ።
መሊሰውን ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ እትነፍር ጥቕልልቲ መፅሓፍ ረአኹ።
እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ ወፀ፤ “ኣዒንትኻ ኣልዕልሞ እዛ እትወፅእ ዘላ እንታይ ከም ዝኾነት ረአ” በለኒ።
መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዒለ ጠመትኩ፤ እንሆ ኽልተ ኣንስቲ ወፃ፤ ኣብ ኣኽናፈንውን ንፋስ ነበረ። ኣኽናፈን ከም ኣኽናፍ ራዛ ነበራ፤ ነቲ መስፈሪ ኢፍውን፥ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓላኦ።
መሊሰ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፤ እንሆ፥ ኣርባዕተ ሰረገላታት፥ ካብ መንጎ ኽልተ እምባታት ክወፁ እንተለዉ ድማ ረአኹ። እቶም እምባታት፥ እምባታት ነሃስ ነበሩ።
ንደቂ እስራኤል በብነገዶም ሰፊሮም ምስ ረአዮም ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ መፀ።
ኢያሱ ኣብ ጥቓ ኢያሪኮ እንተሎ ዓይኑ ኣልዒሉ ጠመተ፤ ዝተመዘዘ ሰይፊ ብኢዱ ዝሓዘ ሰብኣይ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ነበረ። ኢያሱ ኸዓ ናብኡ ኸይዱ፥ “ንስኻ ኻባና ዲኻ ወይ ካብ ፀላእትና?” በሎ።
ካልእ ኣራዊትውን፥ ካብ ምድሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ከም ናይ በጊዕ ዝመስል፥ ክልተ ቐርኒ ድማ ነበሮ። ከም ገበልውን ይዛረብ ነበረ።
ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣሕሉቕን፥ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል በጊዕ፥ ደው ኢሉ ረአኹ። ንሱ፥ ሸውዓተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣዒንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቶም ናብ ኵላ ምድሪ ዝተልኣኹ፥ ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።