8 ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኽጥምት እንተለኹ፥ ኣብ ማእኸሎም ንእሽተይ ካልእ ቀርኒ ወፀ፤ ሰለስተ ኻብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተነቓቐሉ። ነዝ ቐርኒ እዙይ፥ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይኒ ነበሮ። ብትዕቢት ዝዛረብ ኣፍ ድማ ነበሮ።
እግዚኣብሄር፥ “ነቶም ጠበርቲ ኸናፍርን፥ ነታ ዓብዪ ነገር እትናገር መልሓስን ክነቕለን እዩ፤ ከናፍርናውን ናትና እዩ፤ ጐይታናኸ መን እዩ?” እናበሉ ንዝዛረቡ ሰባት፥ ከጥፍኦም እዩ።
“እቲ ውሱን ጊዜ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ኽሳዕ ዝቐፅዖ፥ እቲ ንጉስ ከም ዝደለዮ ኽገብር እዩ። ርእሱ ኸልዕል፥ ኣብ ልዕሊ ኣማልኽቲ ኽዕበ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ዝኾነ እግዚኣብሄር ድማ፥ ክፉእ ቃል ትዕቢት ክዛረብ እዩ። ዘመን ቍጥዓ ኽሳዕ ዝፍፀም ክሰልጠሉ እዩ፤ እቲ ውሱን ነገርውን ክፍፀም እዩ።
ድሕሪዙይ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣስናኑ ሓፂን፥ ኣፅፋሩ ኸዓ ነሃስ ዝኾነ፥ ዝውሕጥን ዝሰባብርን፥ ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋግፅ ዝነበረን፥ ካብ ካልኦት ኣራዊት ዝተፈልየን፥ እምብዛ ዘፍርሕን ራብዓይ ኣራዊት ክፈልጥ ደለኹ።
“ኣነ እግዚኣብሄር እየ” ኢሉ ብምእዋጅ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝቕመጥ፥ ኣምላኽ ካብ ዝተብሃለ ዅሉ፥ ሰባት ካብ ዘምልኽዎ ዅሉ፥ ንባዕሉ ልዕል ልዕል ዘብል ተቓዋሚ፥ ንሱ እዩ።
ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ክኾኑ እዮም፤ ፈተውቲ ገንዘብ፥ ትምክሕተኛታት፥ ትዕቢተኛታት፥ ተፃረፍቲ፥ ንወለዶም ዘይእዘዙ፥ ዘየመስግኑ፥ ቅድስና ዘይብሎም፥ ርህራሀ ዘይብሎም፥
ንሳቶም፥ ነቶም ኣብ ስሕተት ካብ ምንባር፥ ብቐረባ እዋን ኣምሊጦም ዝወፁ፥ በቲ ኸንቱን ትዕቢት ዝመልኦን ዘረባኦም ገይሮም፥ ብኽፉእ ትምኒት ስጋን፥ ብርኽሰትን፥ ይሓባብልዎም ኣለዉ።
እዚኣቶም መዕረምረምቲ፥ ዘይሕጉሳት፥ ከም ክፉእ ትምኒቶም ዝነብሩ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፤ ምእንቲ ረብሓ ርእሶም ከዓ፥ ገፅ ሰብ ሪኦም ይጥብሩ።
ሓደ ኣራዊት፥ ካብ ባሕሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ዓሰርተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ። ኣብ ኣቕርንቱ ዓሰርተ ዘውዲ፥ ኣብ ኣራእሱውን ስማት ፀርፊ ነበሮ።
ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ፥ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል ነበረ፤ ኣብ ኣራእሶምውን፥ ኣኽሊላት ወርቂ ዝመስል ነበሮም፤ ገፆም ከዓ፥ ከም ገፅ ሰብ ነበረ።
ኣይትመክሑ፤ ብትዕቢትውን ኣይትናገሩ፤ ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውፃእ፤ እግዚኣብሄር ኵሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ እግዚኣብሄር ንግብርታትውን ይመዝን እዩሞ።