Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 7:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 ድሕሪዙይ ብራእይ ለይቲ፥ መፍርሕን መደንገፅን የመና ብርቱዕን ዝኾነ፥ ራብዓይ ኣራዊት ረአኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓፂን ነበሮ፤ ይውሕጥን፥ ነቲ ዝተረፈ ኸዓ በእጋሩ ይረግፆን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዅላቶም ኣራዊት ፍሉይ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፤ ዓሰርተ ኣቕርንቲ እውን ነበሮ።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 7:7
17 Referencias Cruzadas  

ከም ሓመድ ምድሪ ጠሓንኩዎም፤ ከም ጭቃ መንገዲ ረገፅኩዎም፤


ንመዓፁ ገፁ ክኸፍት ዝኽእል መን እዩ? ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ግርማ ኣሎ።


ብናይ እግዚኣብሄር ራእይ ናብታ ምድሪ እስራኤል ወሰደኒ፤ ኣብ ነዊሕ እምባ ኸዓ ኣንበረኒ፤ ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑፅ ከተማ ነበረ።


በታ ለይቲ እቲኣ ኸዓ፥ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገለፀሉ። ዳንኤል ከዓ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ።


ለይቲ ብራእይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ወዲ ሰብ ዝመስል፥ ብደመና ሰማይ ይመፅእ ነበረ። ናብቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ዝነበረ ድማ በፅሐ፤ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።


ዳንኤል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦ ለይቲ ራእይ ረአኹ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨዉ ነበሩ።


ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ልዕል ልዕል በለ፤ ካብ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ድማ፥ ንብዙሓት ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ረገፆም።


እቶም ክንዲ እቲ ዝተሰብረ ቐርኒ ዝወፁ ኣርባዕተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ካብቲ መንግስቲ ዝለዓሉ ኣርባዕተ መንግስታት እዮም። ብሓይሊ ግና ኣይመዓራረይዎን እዮም።


መሊሰ ናብ ላዕሊ ጠመትኩ፤ እንሆ፥ ኣብ ኢዱ መለክዒ ገመድ ዝሓዘ ሰብኣይ ረአኹ።


ካልእ ምልክት ከዓ፥ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ እንሆ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ፥ ኣብቲ ኣራእሱውን ሸውዓተ ዘውዲ ዝደፍአ፥ ሓደ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ተርኣየ።


ሓደ ኣራዊት፥ ካብ ባሕሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ዓሰርተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ። ኣብ ኣቕርንቱ ዓሰርተ ዘውዲ፥ ኣብ ኣራእሱውን ስማት ፀርፊ ነበሮ።


“እቶም ዝረአኻዮም ዓሰርተ ኣቕርንቲ ድማ፥ ገና መንግስቶም ዘይተቐበሉ፥ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግና ምስቲ ኣራዊት፥ ከም ነገስታት ኮይኖም፥ ንሓንቲ ሰዓት ስልጣን ዝቕበሉ እዮም።


እቲ መልኣኽ ከዓ፦ “ስለ ምንታይ ትግረም? ምስጢር እታ ሰበይትን፥ ምስጢር እቲ ፆይርዋ ዘሎ ሸውዓተ ኣራእስን፥ ዓሰርተ ኣቕርንቲ ዘለዎ ኣራዊትን፥ ኣነ ኽነግረካ እየ።


እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios