6 ድሕሪዙይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ካልእ ኣብ ጐድኑ፥ ኣርባዕተ ኣኽናፍ ዒፍ ዝነበሮ፥ ንነብሪ ዝመስል ካልእ ኣራዊት ረአኹ። እዝ ኣራዊት እዙይ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፤ ክገዝእ ድማ ስልጣን ተውሃቦ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዙይ ይብል ኣሎ ኢልካውን ንገር፦ ገዚፍ ዘኽናፉ፥ ነዊሕ ዝመንገብገቡ ዝንጕርጕር ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ናብ ሊባኖስ መፀ እሞ፥ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ፅሕዲ ወሰደ።
ንሱ ድማ፥ “ስለ ምንታይ ናባኻ ኸም ዝመፃእኹዶ ፈሊጥካ ኣለኻ? ሕዚ ኸዓ ምስ ሓለቓ ፋርስ ክዋጋእ ቀልጢፈ ኽምለስ እየ። ኣነ ኽወፅእ እንተለኹ፥ እንሆ፥ እቲ ሓለቓ ግሪክ ክመፅእ እዩ።
ብድሕሬኻ ድማ ኻባኻ ዝንእስ፥ ካልእ መንግስቲ ኽትስእ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዝገዝእ፥ ካልእ ሳልሳይ መንግስቲ ነሃስውን ክትስእ እዩ።
እቲ ቐዳማይ ኣንበሳ ይመስል፤ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዝንቀል ከዓ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል በለ፤ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፤ ልቢ ሰብውን ተውሃቦ።
እቲ ኻልኣይ ንድቢ ይመስል ነበረ። ንሱ ብጐድኑ ተስአ፤ ሰለስተ ዓፅሚ ጐድኒ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ሒዙ ነበረ። “ተስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” በልዎ።
ስለዙይ ኣነ ድማ ኸም ኣንበሳ ኾንክዎም፤ ከም ነብሪ ኸዓ ኣብ መንገዲ ኣድበኹሎም።
እቲ ዝረአኽዎ ኣራዊት ከዓ፥ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ፥ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ፥ ሓይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ስልጣኑን ሃቦ።