Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዳንኤል 7:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 እቲ ኻልኣይ ንድቢ ይመስል ነበረ። ንሱ ብጐድኑ ተስአ፤ ሰለስተ ዓፅሚ ጐድኒ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ሒዙ ነበረ። “ተስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ” በልዎ።

Ver Capítulo Copiar




ዳንኤል 7:5
14 Referencias Cruzadas  

ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ ድማ ረአዮም፤ ብስም እግዚኣብሄር ከዓ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወፂኦም፤ ካብኣቶም ኣርብዓን ክልተን ቈልዑ ሰባበሩ።


ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዘጋጥመካ፥ ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽተጋጥመካ ይሐይሽ።


“ኣቱም ናይ ምድሪ ኣራዊት ኵልኻትኩም፥ ኣቱም ናይ ዱር ኣራዊት ኵልኻትኩም ክትበልዑ ቕረቡ፤


ሕዚ እውን ሓቁ እገልፀልካ ኣለኹ፦ “እንሆ ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ክትስኡ እዮም። እቲ ደድሕሪኣቶም ዝትስእ ራብዓይ ድማ ኻብ ኵላቶም ዝበለፀ ኽህብትም እዩ። ብሃብቲ ምስ በርትዐ ድማ፥ ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ግሪክ ከተስኦም እዩ።


ብድሕሬኻ ድማ ኻባኻ ዝንእስ፥ ካልእ መንግስቲ ኽትስእ እዩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዝገዝእ፥ ካልእ ሳልሳይ መንግስቲ ነሃስውን ክትስእ እዩ።


‘ፋሬስ’ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተውሂባ እያ ማለት እዩ።”


እቲ ቐዳማይ ኣንበሳ ይመስል፤ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዝንቀል ከዓ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል በለ፤ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፤ ልቢ ሰብውን ተውሃቦ።


ድሕሪዙይ ክጥምት እንተለኹ፥ እንሆ፥ ካልእ ኣብ ጐድኑ፥ ኣርባዕተ ኣኽናፍ ዒፍ ዝነበሮ፥ ንነብሪ ዝመስል ካልእ ኣራዊት ረአኹ። እዝ ኣራዊት እዙይ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፤ ክገዝእ ድማ ስልጣን ተውሃቦ።


ኰራዅራ ኸም ዘሕደግዋ ድቢ ኾይነ ክገጥሞም እየ፤ ነቲ ስብሒ ልቦም ክቐዶ እየ፤ ከም ዋዕሮ ኽውሕጦም፥ ከም ኣራዊት በረኻውን ክሰላልዖም እየ።


እቲ ዝረአኽዎ ኣራዊት ከዓ፥ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ፥ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ፥ ሓይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ስልጣኑን ሃቦ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos