3 ካብቲ ባሕሪ ድማ፥ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወፁ።
ንስኻ ኣብቶም ናይ ዘለኣለም እምባታት ኴንካ፥ ብዘደንቕ ተብርህ።
እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ዝትስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።
ሓደ ኣራዊት፥ ካብ ባሕሪ ኽወፅእ እንተሎ ረአኹ። ንሱ ዓሰርተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣራእስን ነበሮ። ኣብ ኣቕርንቱ ዓሰርተ ዘውዲ፥ ኣብ ኣራእሱውን ስማት ፀርፊ ነበሮ።
እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።