10 ውሕጅ ሓዊ ኻብ ቅድሚኡ ይውሕዝ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፤ እልፍ ኣእላፋት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ነበሩ፤ ፍርዲ ተጀመረ፤ መፃሕፍትውን ተገለፁ።
ሚክያስ ድማ “ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።
ሚክያስ ድማ ኸምዙይ በለ “እግዚኣብሄር ዝብሎ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም መላእኽቲ ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።
ብሓቂ ንሰራዊቱዶ ቝፅሪ ኣለዎም እዩ? ብርሃኑኸ ኣብ ልዕሊ መን እዩ ዘይወፅእ?
ኣቱም ሰራዊቱ ዅልኻትኩም፥ ኣቱም ፍቓዱ እትፍፅሙ ኣገልገልቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
ካብ ቍጥዓኡ ትኪ ወፀ፤ ካብ ቅድሚኡ ዝባላዕ ሓዊ ነደደ፤ ፍሕሚውን ኻብኡ በርሀ።
ኣምላኽና ኽመፅእ እዩ፤ ስቕውን ኣይብልን፤ ኣብ ቅድሜኡ ዝቃፀል ሓዊ ኣሎ፤ ኣብ ዙርያኡውን ብዙሕ ኣውሎ ኣሎ።
ሰረገላታት እግዚኣብሄር ክልተ እልፊ፥ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዮም፤ ጐይታ ኣብ መቕደሱ ኣብ ሲና፥ ኣብ ማእኸሎም እዩ።
እንሆ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዝነድድ ቍጥዓኡን፥ ምስ ዝዕብልኽ ትክን ካብ ርሑቕ ይመፅእ ኣሎ፤ ከናፍሩ ብቝጥዓ ዝመልኣ፥ መልሓሱ ኸዓ ኸም ዘቃፅል ሓዊ እዩ።
ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ።
“በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ ሚካኤል፥ ክትስእ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኻብ ዝተመስረተ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ተርእዩ ዘይፍለጥ፥ ዓብዪ ናይ መከራ ጊዜ ክኸውን እዩ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ፥ ካብ ህዝብኻ፥ እቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዝተረኽበ፥ ክድሕን እዩ።
እዙይ ዝኸውን፥ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ክሳዕ ዝመፅእ፥ ፍርዲ ኸዓ ነቶም ቅዱሳን እቲ ልዑልውን፥ ኣምላኽ ከዓ ኽሳዕ ዝህብ፥ ቅዱሳን እቲ ልዑል መንግስቲ ዝወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትበፅሕ ነበረ።
ግና ዙፋን ፍርዲ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ፈፂሙ ምእንቲ ኽፀንትን ክጠፍእን ከዓ ግዝኣቱ ኻብኡ ኽውሰድ እዩ።
ለሰ እቲ እምባ ክሳዕ ኣፀል ክበፅሕ እዩ እሞ፥ ንስኻትኩም በቲ ለሰ እምባታት ክትሃድሙ ኢኹም። ኣቦታትኩም ብዘመን ኦዝያን ንጉስ ይሁዳ ኸም ዝኾነ፥ ካብ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተልዓለ ኸም ዝሃደሙ፥ ክትሃድሙ ኢኹም። እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከዓ ምስ ኵሎም መላእኽቱ ኽመፅእ እዩ።
“ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም ቅዱሳን መላእኽቱ፥ ብኽብሩ ኣብ ዝመፀሉ ጊዜ፥ ሽዑ ኣብ ዙፋን ክብሩ ኽቕመጥ እዩ።
“እግዚኣብሄር ካብ ሲና መፀ፤ ካብ ሴይር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ካብ እምባ ፋራን ኣንፀባረቐ፤ ምስ ኣእላፍ ቅዱሳኑ መፀ፤ ካብ የማናዩ ሓዊ ወፀሎም።
ኵላቶም መላእኽቲ፥ ንኣገልግሎት እቶም ክድሕኑ ዘለዎም ዝለኣኹ፥ ናይ ኣገልግሎት መናፍስቲዶ ኣይኮኑን?
ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን፥ ናብታ ኸተማ ህያው እግዚኣብሄር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን፥ ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን፥
እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ትውልዲ ዝኾነ ሄኖክውን፥ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም፦ “እንሆ፥ ጐይታ ንዅላቶም ክፈርዶም፥ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ ኽመፅእ እዩ። ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ኵላቶም ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ብኽፉእ መንገዲ ዝገብርዎ ዅሉ ኽፉእ ግብርን፥ ብዛዕባ እቲ ኽፍኣት ሓጢኣተኛታትን፥ ብዛዕባኡ ዝተዛረብዎ ዅሉ ዘረባ ድፍረትን፥ ክቐፅዖም እዩ” ኢሉ ተነበየሎም።
ኣህዛብ ተቘጥዑ፥ ቍጥዓኻውን መፀ፤ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፥ ነቶም ባሮትካ ዝኾኑ ነቢያትን፥ ነቶም ንስምካ ዘኽብሩ ቕዱሳንን፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ዓስቦም እትህበሉ፥ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን፥ እተጥፍአሉ ዘመን በፂሑ እዩ” በሉ።
ሽዑ ድማ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ኣሕሉቕን ከዓ፥ ድምፂ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኹ፤ ቍፅሮም ድማ፥ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፥ ኣሽሓት ጊዜውን ኣሽሓት እዩ።