5 ሽዑ እቶም ሰባት “ንዳንኤል ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ መኽሰሲ ኽንረኽበሉ ኣይንኽእልን ኢና” በሉ።
ሃማ ድማ ንንጉስ ኣርጤክስስ “ኣብ ማእኸል እቶም ኣብ ኵለን ግዝኣትካ ዘለዉ ህዝብታት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ሓደ ፍሉይ ህዝቢ ኣሎ። ሕጎም ከዓ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ፍሉይ እዩ። ንሕግታት ንጉስ እውን ኣይእዘዙን እዮም። ስለዙይ ንጉስ ነዚኣቶም ሸለል ክትብሎም ኣይግባእን እዩ።
ሓጥእ ንፃድቕ ይፀናተዎ፤ ክቐትሎውን ይደሊ።
ንኣኣ ሰናይ እንተ ኾነላ፥ ንኣኻትኩምውን ሰናይ ክኾነልኩም እዩሞ፥ ተማሪኽኩም ንዝኸድኩምዋ ኸተማ፥ ሰላምን ሃብትን ተመነዩላ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ፀልዩላ።
ንዳዊት ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ኣነ ኽፉእ እናገበርኩኻ ፅቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፥ ካባይ ብዝበለፀ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ።
ሽዑ እቶም ኣሕሉቕ ፍልስጥኤማውያን ንኣንኩስ “እዞም ዕብራውያን እዚኣቶም ኣብዙይ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ?” በሉ። ኣንኩስ ድማ ንነገስታት ፍልስጥኤማውያን “እዙይ ሓሽከር ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኮነን? ካብ ዓመት ዝበዝሕ ምሳይ ተቐሚጡ እዩ። ካብታ ናባይ ዝተፀግዐላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝኾነ ኣበር ኣይረኸብኩሉን” በሎም።